W —
ዘንቀጥቅጥ ሕማም ፓርኪንሰን ንማእከላይ መቆፃፀሪ ክፍሊ ሓንጎል ዘጥቅዕ’ዩ፣ ንውሩይ ተጓሳጣይ ካስስ ክለይ/መሓመድ ዓሊ ካብ ውድድር ወፃኢ ገበሮ።
ንሱ ብሕልናዊ ምኽንያት ኣብ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣይክተብን ዝብል ተቃውሞ ኣስመዐ፣ ንውግእ ቬትናም ስለዝተቃወሞ’ውን ውግዘትን ኩነኔን ኣስዒብሉ’ዩ።
‘ተጃሃራይን ዝተጃሃሮ ኣብ ግብሪ ዘውዕልን’ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ካስስ ክለይ ሕያዋይን ፈቃርን ሰብ’ውን’ዩ ነይሩ።
ኣብ ዓለምና ኣብ ዝላዓለ ክብደት ዝወዳደሮ ተጓሳጣይ ኣይነበረን ክሳብ ሓደ እዋን። ድሕሪኡ ሕማም ፓርኪንሰን እውን ተወሲኽዎ ንታሕቲ ኣንቆልቒሉ። ንሱ ኣቦ 7 ኣዋልድን 2 ኣወዳትን ነይሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።