ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ መዝነቶም ለቒቆም


 Robert Mugabe
Robert Mugabe

ዚምባብወ ነጻነታ ካብ ብሪጣንያ ካብ ትረኽብ ጀሚራ ትፈልጦ እንኮ መራሒ ሮበርት ሙጋበ፡ ድሕሪ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽንሖም ሎሚ ሶሉስ ካብ መዝነቶም ለቒቆም። ንሶም ካብ ወታሃደራዊ ሓይልታት እታ ሃገር፡ ካብ ምኽትሎም ነበርን፡ ካብ ሓያሎ ገዳይም ኩናት እታ ሃገርን ካብ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ክለቑ ጸቕጢ ክግበረሎም ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ መዝነቶም ለቒቆም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:46 0:00

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናይ ገዛ ማሕዩርን ዘተ ምስ መንጎኛታትን ተቓውሞንን ምጅማር መስርሕ ክሲን እቶም ን37 ዓመታት ንዚምባብወ ዝመርሑ ፕረዝደንት ሙጋበ ካብ መዝነቶም ለቒቖም ኣለው።

አባላት ፓርላማ እቶም ፕረዝደንት ካብ መዝነቶም ክለቑ መስርሕ ሕጊ ንምጅማር ኣብ ዝተአኸብሉ እዮም ወሃቢ ቃል ጃኮብ ሙደንደ ንምልቓቅ መዝነት ሮበርት ሙጋበ ዘመልክት ደብዳበ ንኣባላት ፓርላማ ዘንበቡ።

እቲ ደብዳበ “ ኣነ ሮበርት ጋብሬል ሙጋበ ብመሰረት ኣንቀጽ 96 ሕገ መንግስቲ ሃገረ ዚምባብወ ካብ መዝነተይ ምልቃቐይ ብወግዒ የፍልጥ። እዚ ድማ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ኽኸውን’ዩ” ይብል።

ድሕሪ መግለጺ ወሃቢ ቃል ፓርላማ ዚምባብወ አባላት ፓርላማ ሓጎሶም ክገልጹ ከምዝተራእዩ ዜጋታት እታ ሃገር እውን ሓጎሶም ኣብ ጎደናታት ከተማ ሃራረ ብሳዕስዒትን ዋዕዋዕታን ክገልጹ ተራእዮም እዮም።

እንተኾነ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ብዛዕባ እቲ ደብዳበ ዝተዋህበ መብርሂ የለን።

መራሕቲ ገዛኢ ፓርቲ ዛኑ ፒ ኤፍ ካብ መዝነቶም ዝተባረሩ ምክትል ፕረዝደንት ኢመርሰን ሙናግዋ ስልጣን ከምዝርኸቡ ሓቢሩ’ሎ።

ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተረሳ መይ ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ ምልቓቕ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ ዚምባብዊያን ካብ ጭቆና ነጻ ዝኾነ ጎደና ክኽተሉ ዘኽእል’ዩ ኢለን።

ዝሓለፈ ሰሙን ወታሃደራዊ ሓይልታት ነታ ሃገር ድሕሪ ምቁጽጻሮም ሮበርት ሙጋበ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ጸቕጢ ክግበረሎም ምጽንሑ ይፍለጥ።

ወታሃደራዊ ሓይልታት እታ ሃገር ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ፕረዝደንት ሙጋበ መዝነት ምክትል ፕረዝደንት ንበዓልቲ ቤቶም ግሬስ ሙጋበ ንምሃብ ንምክትሎም ድሕሪ ምብራሮም ኮይኑ ቀዳመይቲ እመቤት ግሬስ ሙጋበ ድሕሪ ምእላይ በዓል ቤተን ካብ ስልጣን ኣብ መዝነት ንምጽናሕ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ልዑል ውድድር ምጽነሓን ይፍለጥ።

ዚምባብዊያን ብዘንኪ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዝነበረ ጸቕጢ ፖለቲካን ቁጠባዊ ጸገማትን ኣብ ምምሕዳር ሮበርት ሙጋበ ሕጉሳት ከምዘይነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ፕረዝደንት ሙጋበ ግን ነቲ ዝመጽእ ዓመት ዝኻየድ ምርጫ እታ ሃገር ንምውድዳር’ውን ወጢኖም ምንባሮም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ መዝነቶም ለቒቆም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

XS
SM
MD
LG