ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓካይም ብዘይዶብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽል ይጽውዕ


ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ማሕበር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ብምባሉ ኣብ ልዕሊ 20 ሚልዮን ተጸበይቲ ሓገዝ ኣዝዩ ዘሰከፍ ተርእዮ ፈጢሩ ስለ ዘሎ እቲ ዘቋረጸ ሓገዝ ክቕጽል ሎሚ ዓርቢ ጸዊዑ።

ናይቲ ማሕበር ዳይረክተር ጨንፈር ኢትዮጵያ ዝዀነት ካራ ብሩክስ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቲ ዞባ ብደርቂ፡ ኲናትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ድሮ ተዳኺሙ ብምጽናሑ፡ እቲ ምቍራጽ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ንኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቓሊዑ ከም ዘሎ ጠቒሳ። መግለጺ ሓካይም ብዘይዶብ ከም ኣብነት ዘቕረቦ፡ ኣብ ሽረን ሸራሮን ኣብ መንጎ ወርሓት ጥሪን ሚያዝያን ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ነፍሰ-ጾራት ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፡ እተን ሰለስተ-ርብዒ ትሕቲ ሚዛን ኰይነን ምጽናሐን ጠቒሱ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣብቲ ከባቢ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ህጻናት ብስእነት ተመጣጠነ መግቢ ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ኣብቲ ንኣስታት 40 ዓመታት ደርቂ ዘጥቅዖ ክልል ሶማሌ ድማ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢን ስእነት ክታበትን ይሳቐዩ ምህላዎም ሓቢሩ።

መግለጺ ሓካይም ብዘይዶብ፡ እቲ ተርእዮ ኣብ ክልል ጋምቤል’ውን ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ኣስፊሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG