ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደ/ሪ/ኮንጎ ክታበት ኤምፖክስ ትቕበል፡ ተርእዮ'ቲ ሕማም ይሰፍሕ


ፋይል- ክታበት ኤምፖክስ
ፋይል- ክታበት ኤምፖክስ

ፈለማ ካብ ዝርአ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣብ ዘሎ ሕማም ኤምፖክስ፡ ኣብታ መዋፈሪት እዚ ቫይረስ ኰይና ዘላ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈላማይ ክታበት ሎሚ ኣትዩ ኣሎ።

ፈላማይ ዙር ክታበት ኤምፖክስ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተለገሰ ክታበት 99-ሽሕ ዝዓቐኑ’ዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ቐዳም’ውን 200-ሽሕ ዝዓቐኑ ክታበት ናብ ኮንጎ ክኣቱ ምዃኑ ነቲ መስርሕ ዝመርሕ ዘሎ ትካል ህጹጽ ሓደጋ ሕብረት ኣውሮጳ ኣመልኪቱ።

ቀዳመይቲ ተጠቃሚት ናይዚ ክታበት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ክትከውን እንከላ፡ ኣብዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዓሊሙዎ ዘሎ ናይ 566-ሽሕ መጠን ክታበት እታ እትቕጽል ብሩንዲ’ያ።

እዚ ዝረኣ ዘሎ ክታበት ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘይምዕሩይነት ተበጻሕነት ክታበት ክሽፍን ተስፋ ተነቢሩዎ ኣሎ።

ብሕማም ኤምፖክስ ዝተጠቕዐ ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሰፊሕ ኣከባቢ ዝርከቡ ኣስታት 100-ሚልዮን ዜጋታት ድማ ንተኽእሎ እዚ ሕማም ቅሉዓት’ዮም። ኣብታ ፈለማ እዚ ቫይረስ ዝተራእየላ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዛጊት 19,710 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ-መዚ ጥዕና እታ ሃገር ይገልጹ። ካብዚኣቶም እቶም ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዝተርጋገጹ ኰይኖም፡ ካብኣቶም 655 ንሞት በጺሖም።

መልከፍቲ ኤምፖክስ ተራእዩወን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዛጊት 14 በጺሐን ኣለዋ። ጊኒ ካብዘን ዝደሓራ እዚ ሕማም ዝተራእየለን ሃገራት’ያ። ትማሊ ረቡዕ ድማ በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ፈላማይ ሰብ መዝጊባ ኣላ። እዚ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ምዃኑ’ዩ።

እንተዀነ ቫይረስ ኤምፖስክ፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ደኣ ፈለማ ይርአ እምበር፡ ናብ ካልኦት ኣህጉራት’ውን ሰጊሩ’ዩ። ሽወደን፡ ፓኪስታንን ፊሊፕነስን በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ዜጋታት ከም ዘለወን ኣመልኪተን ኣለዋ።

ናብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዝኣተወ ኣስታት 100-ሽሕ ዝዓቐኑ ክታበት ኣብ ዴንማርክ ዝፈረየ’ዩ። ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ብተመሳሳሊ ክታበት ኣፍረየን ናብ ኣፍሪቃ ሓገዝ ክልእካ መብጽዓ ኣትየን ኣለዋ። ካብ መንጎአን ስጳኛ 500-ሽሕ፡ ከምኡ’ውን ጀርመንን ፈረንሳን ነፍሲ-ወከፈን 100-ሽሕ ዝዓቐኑ ሓገዝ ክታበት ክሕግዛ ምዃነን ቃል ኣትየን። ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣፍራዪ መድሃኒት’ውን ብተመሳሳሊ ንናይጀሪያ ዝውዕል 10-ሽሕ መጠን ክታበት ክህብ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኣፍሪቃ ሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ፈለማ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዝተራእየ ኤምፖክስ ብ14 ነሓሰ’ዩ ዓለማዊ ቅልውላው ጥዕና ኢሉ ሰይሙዎ።

ድሮ ክልተ ዓይነት ፈልቂ እዚ ቫይረስ ተራእዮም ኣለዉ። ክልተኦም ኣብ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዝተመዝገቡ ምዃኖም’ዮም።

ኣቐዲሙ ማንኪፖክስ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ ድሒሩ ናብ ኤምፖስ ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ሕማም ፈለማ ኣብ 1958’ዩ ኣብ ዴንማርክ ተራእዩ። ኣብ እዋኑ ኣብ መንጎ ንምርምር ተታሒዞም ዝነበሩ ኣህባይ ስለ ዝተራእየ’ዩ ድማ እቲ ስም ተዋሂቡዎ። እንተዀነ እዚ ፈለማ ኣብ ኣህባይ ዝጀመረ ሕማም ኣብ 1970ታት ኣብ ሰባት ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ተራእዩ። ጸኒሑ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ደጊሱ ኣሎ።

ኤምፖክስ ምስ ሕማም ሰዓል ዝመሳሰል ምልክታት ዘለዎ’ዩ። እንተዀነ ቫይረስ ኤምፖስክ ንሞት’ውን ዘብጽሕ’ዩ። እዚ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ሕማም ፈለማ ካብ ዝተልኽፉ እንስሳታት ናብ ሰባት ክሓልፍ ዝኽእል ኰይኑ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ’ውን ብኣካላዊ ምትንኻፍ ክሰግር ዝኽእል’ዩ። ብጾታዊ ርክብ’ውን ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።

በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ረስኒ፡ ሕበጥ ጭዋዳን ረኽሲ ቆርበትን ይርኣዮም።

ኤምፖክስ ዛጊት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሕልፊ ድማ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ዝተራእየ ዘመልክት መርጋገጺ የሎን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG