ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሞዛምቢክ ተዓዊቱ


ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ዝኾነ ዳንኤል ቻፖ
ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ዝኾነ ዳንኤል ቻፖ

ኣብ ሞዛምቢክ ውጽኢት ናይቲ ዝሓለፈ 9 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ወግዓዊ ኮይኑ። ብመሰረት ኮሚሽን ምርጫ`ታ ሃገር ዝሃቦ መግለጺ ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ዝኾነ ዳንኤል ቻፖ ድማ ፕረዚደንት ክኸውን ተመሪጹ`ሎ። ቻፖ ኣስታት 71% ድምጺ፡ ሕጹይ ተቓወምቲ ድማ 20% ድምጺ ምርካቡ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ`ሎ።

መራሒ ተቓወምቲ ቨናንሲዮ ሞንድለይን ብሰልፊ ፖደሞስ ተደጊፉ ነቲ ምርጫ ከም ዝተዓወተሉ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ እቲ ውጽኢት ናብ ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ዳኒኤል ቻፖ ብምዝዛዩ ግን ምድንጋር ተገይርሉ`ዩ ክብል ጸኒሑ`ሎ።

ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ድማ ሞንድለይን፡ ህዝቢ ንተቓውሞ ናብ ጽርግያታት ክወጽእ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክጽውዕ ጸኒሑ`ሎ። ኣንጻር `ቲ ንፍርቂ ክፍለዘመን ዝመርሐ ሰልፊ ፍረሊሞ ህዝቢ ሃገራዊ ሰልፊ ክገብር ኣለዎ ብምባል ኣብ ፈይስቡክ ጸዊዑ`ሎ።

እቲ መራሒ ተቓወምቲ"ህዝቢ ስልጣን ዝሕዘሉን ኣብ ታሪኽ ሞዛምቢክ ለውጢ ዝደልየሉን ግዜ በጺሑ`ዩ” ኢሉ። እቲ መራሒ ተቓወምቲ ሞዛምቢክ "ኣብ ኩሉ ከባብታት ሰልፊ ክንወጽእ ኢና፡ ንኹልና ዝኣክል ጠያይቲ የለን፡ ንኹልና ዝኸውን ዘንብዕ ትኪ የለን፡ ንኹልና ዝኣኽላ ድሩዓት መካይን የለዋን” ኢሉ። ብኻልእ ወገን ነቲ ውጽኢት ምርጫ ይግባይ ንኽብል ዝዳሎ ዝነበረ ጠበቓ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ማፑቶ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ ተቐንጺሉ`ሎ። ሕጂ እቲ መራሒ ተቓወምቲ “ጽባሕ `ውን ናባይ” ዝብል ስግኣት ኣስሚዑ`ሎ።

ድሕሪ ክልተ ግዜ ምግልጋል ስልጣኑ ዘረክብ ዘሎ ወዲ 65 ፊሊፕ ንዩሲ፡ ጎንጻዊ ተቓውሞ ከም ገበን`ዩ ዝርኣይ ክብል ተሰሚዑ`ሎ። ሞዛምቢክ ካብ ግዝኣታ ፖርቹጋል ናጽነታ ካብ ትረክብ ካብ 1975 ጀሚራ ብሓደ ፓርቲ ምስ ተመርሐት`ያ- ግን መራሕታ በብክልተ ዓመታት ይቀያየሩ።

ካብ 1975-1992 ኣብ መንጎ ውዱባት ፍረሊሞን ረናሞን ብዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝሃለቐ ይግለጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG