ኣብ ሞዛምቢክ ብሰንኪ ዝተኻየደ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ሎሚ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፖሊስን ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታትን ብዝነበረ ጎንጺ ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም: 66 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ሆስፒታል ገሊፁ። ተቓወምቲ ተጭበርቢሩ እዩ ዝበሉዎ 9 ጥቅምቲ 2024 ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት 18 ሰባት ሞይቶም ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ገለ ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ይገልጹ። ማእኸል ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ትበሃል ዝነበረት ሞዛምቢክ ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ዝሞቱ 34 ሰባት ምብጽሑ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ናይ ሎሚ ዓርቢ ሰልፊ ተቓውሞ ኣንፃር ፍረሊሞ ዝተኻየደ እቲ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገር ኣብ 1975 ካብ መግዛእቲ ነፃ ካብ እትወፅእ ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎን ኣብዚ ዳሕረዋይ ምርጫ ድማ ተዓዋቲ ምዃኑ ዝኣወጀን እዩ።
ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ፖሊስ ናብ ኣንፈት እቶም ሰልፈኛታት እናተኮሱ ምርኣዮም ገሊፆም።
ብኻልእ ዜና ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብፖሊስ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊፁ።
እቶም 30 ሰባት ካብ 19 ጥቅምቲ ክሳብ 6 ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ገሊፁ ኣሎ።
ብዝተኣሳሰረ ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሞዛምቢክ ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ብሰንኪ ዝጎሃረ ተቓውሞ ምስ ሞዛምቢክ ንዘዋስኑዋ ዶባት ምዕፃዋ ኣፍሊጣ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ናብ ሞዛምቢክ ዝገብሩዎ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ጉዕዞታት ከፅንሕዎ ሰበስልጣን ኣጠንቂቖም ኣለው።
ቅጥዒ