ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞዛምቢክ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጀልባ ኣስታት 90 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሞዛምቢክ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጀልባ ህጻናት ዝርከቡዎም ልዕሊ 90 ሰባት ምሟቶም መሓውራት ዜና'ቲ ከባቢ ሓቢረን።

እታ ግቡእ ዘይተሃነፀት ጀልባ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ ወሰን ማይ ምጥሓላ ተሓቢሩ'ሎ።

ኣመሓዳሪ ደሴት ሞዛምቢክ ሲልቨሪዮ ናዋይቲ ብመንግስቲ ንእትውነን ሬድዮ ሞዛምቢክ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ቁጽሪ ምውታት ኣብ መጀመርያ 91 ምዃኑ ሓቢሮም እንተነበሩ ሎሚ ሰኑይ ተወሳኺ ሰለስተ ሬሳ ብምርኻቡ እቲ ቁጽሪ ናብ 94 ክብ ከም ዝበለ ገሊጾም።

ኣብታ ጀልባ 130 ሰባት ተፃዒኖም ከምዝነበሩን 11 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን ወሲኹ ገሊፁ። እንተኾነ ግን እታ ጀልባ ክንደይ ሰባት ጽዒና ከምዝነበረት ምፍላጥ ከምዘይተኸኣለ ገሊጾም።

ገሊኦም ሰባት ንዝኾነ ምርኢት ክሳተፉ ይጉዓዙ ነይሮም። ገሊኣቶም ድማ በቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ኣብቲ ዞባ ዝተልዓለ ሕማም ኮሌራ ይሃድሙ ከም ዝነበሩ ብኢንተርኔት እትዳሎ ጋዜጣ ፀብፂባ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG