ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሞዛምቢክ ንሰልፊ ተቓውሞ በቲኑ


ፖሊስ ሞዛምቢክ ነቲ ኣብ ምርጫ ተፍፂሙ ዝተባህለ ምትላል ድምፂ ንምቅዋም ሰልፊ ንምክያድ ዝተታሕዘ መደብ ስዒቡ ኣቐዲሙ ድኳናት ኣብ ዝተዓፅውሉ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ማፑቶ ዝተኻየደ ተቃውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

በከቢድ ዝተዓጠቑ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ጎደናታት ይንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበርሉ ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተበታቲኖም ከምዝተራእዩ ሪፖርተር ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘውፅኦ ቪድዮ የርእይ።

9 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንፕረዚደንትነት ዝተወዳደረ መራሒ ተቓዋሚ ቬናንቺዮ ሞንድሌን ገዛኢ ፓርቲ ፍሪሊሞ ይመርሕ ከም ዘሎ ዘርኢ ውፅኢት ንምቅዋም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፀዊዑ ኔሩ።

ክልተ ተሓባበርቲ ሞንድሌን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ተተኲሱዎም ምስ ዝተቐተሉን ወጥሪ ከም ዝወሰኸን ተፈሊጡ ኣሎ።

ማፑቶ ሎሚ ሰኑይ ድኳናት ተዓፅዮም ሄሊኮተራት ብላዕሊ ኮለል እናበላ ምንቅስቓስ ዘይብላ ከተማ ኮይና እያ ውዒላ።

ኣብዚ ሰሙን ወግዓዊ ፕረዚደንታዊን ፓርላመንታውን ውፅኢት ምርጫ ትፅበ ዘላ ሞዛምቢክ ቅድሚ ሎሚ ምስ ምርጫ ዝተኣሳሰረ ህውከት ኣተኣናጊዳ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ከተማታት ኣመሓደርቲ ምርጫ ስዒቡ ሓያሎ ሰባት ምቕታሎም'ውን ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG