ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞዛምቢክ ናብ ሕድ ሕድ ኵናት ንኸይትምለስ ተሰጊኡ’ሎ


Fighters of the former Mozambican rebel movement "Renamo" receiving military training, Nov. 8, 2012
Fighters of the former Mozambican rebel movement "Renamo" receiving military training, Nov. 8, 2012
ሞዛምቢክ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ሰላም ናብ ሕድ ሕድ ኵናት ንምምላስ ኣብ ቀልቀል ትርከብ።ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ናይ ቀደም ዓማፂ ጉጅለ ሬናሞን ሓይልታት መንግስትን ኣናእሽቱ ግጭታት ድሕሪ ምኽሳቶም እቲ ዓማፂ ጉጅለ ኣብ 1992 ኣ/ፈ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ደጊም ኣየኽብርን እየ ኢሉ’ሎ።ገዛኢ ፓርቲ ፍረሊሞ ስልጣን ንምሓዝ ንምርጫታት ኣጨብርቢሩ እዩ ክብል ሬናሞ ንነዊሕ እዋን ከማርር ፀኒሑ’ሎ።

እቲ ኣብ 1992 ኣ/ፈ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ነታ ደቡባዊት ኣፍሪካ ዘዕነወን ሓደ ሚሊዮን ንዝግመቱ ሰባት ንዝቐተለን ናይ 15 ዓመታት ሕድ ሕድ ኵናት ንኸብቅዕ ዝገበረ እዩ ነይሩ።
ትማሊ ሰሉስ ናይ ሬናሞ እዮም ተባሂሎም ዝእመኑ ዕጡቓት ኣብ ማእኸላይ ሞዛምቢክ ንዝርከብ ፖሊስ ጣቢያ ኣጥቒዖም።እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሒ እቶም ተዋጋእቲ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብቂዑ’ሎ ኢሎም ምስ ኣወጁ ድሕሪ ሓደ ማዕልቲ እዩ።

ሬናሞ ገዛኢ ፓርቲ ፍረሊሞ ንምርጫታት እናጭበርበረ ነቲ ተቓዋሚ ፓርቲ እናግለሎ ከምዝመፀ እቲ ጉጅለ ይኸስስ።

ብዛዕባ ሞዛምቢክን ደቡባዊ ኣፍሪካን ክፅሕፍ ዝፀንሐ ኣብ ብሪታኒያ ዝመደብሩ ምሁር ጆሴፍ ሃንሎን ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዙሓት ነገራት ስለዝተለወጡ እታ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ኵናት ክትምለስ እያ ዝብል ሻቐሎት የብሉን።

ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ትካል ፖሊሲ ቻትሃም ሃውስ መፅናዕቲ እተካይድ ኤልሳቤት ኣዜፍዶ ሃርማን መንቀሊ ሱር እቲ ናይ ቀረባ ግጭት ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ይጥርጠር ዝነበረ ጉዳይ ገንዘብን ስልጣንን እዩ ትብል።

ሬናሞ ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዝኾነሉ ሓደ ምኽንያት ናይታ ሃገር ስርዓት ዝተጣየሸሉ ኣገባብ እዩ ይብላ ንሰን።እቲ ጉጅለ ካብ ናይ ደባይ ተቓላሳይ ናብ ፖለቲካዊ ተንቀሳቓሲ ብዝግባእ ንዓርሱ ብዘይምልዋጡ እውን ህዝባዊ ደገፍ ከምዝስኣነ ብተወሳኺ ይገልፃ።

ናይ ሞዛምቢክ ሃብቲ ተፈጥሩኣዊ ጋዝ እናወሰኸ ምዃዱ እውን ካሊእ ዘሰሓሕብ ነጥቢ ምዃኑ ይሕብራ ኤልሳቤት።ሬናሞ ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ጥራሕ ከይኮስ ካብ ቁጠባዊ ረብሓ እውን ተገሊለ እየ ዝብል እምነት ኣለዎ ምስበላ ኣስዒበን ‘’ገለ ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ንፖለቲካዊ ስልጣን ጥራሕ ከኮነስ ነቲ ቁጠባ እውን ተቖፃፂሮምዎ ኢሉ ይኸስስ።ካብ ናይታ ሃገር ፀጋታት ተገሊልና ኢሎም እዮም ዝሓስቡ’’ ኢሎም።

ክልቲኦም ተንተንቲ እቲ ሎሚ ሓል ሓሊፉ ይካየድ ዘሎ ቶኽሲ ክቕፅል ከምዝኽእል ብምትንባይ ኣብ ነዊሕ እዋን ፅልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ይብሉ።እንተኾነ ግን ኵናት ኣብ ኣድማስ ገና ኣይበፅሐን ይብሉ።
XS
SM
MD
LG