ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮምያ ኣብ ከተማ ሞያሌ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ብጌጋ እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ሞያሌ ዝተፈፀመ ቕትለት ብጌጋ ተፈፂሙ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ዓለም ነዚ ከውግዞ ይግባእ ኢሉ’ሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ብወገኑ ቅድሚ ሎሚ ዝተፈፀሙ ጉዳያት ሪፖርት ኣዋዲዱ ከምዘዳለወ ብምግላፅ ተፀዋዕነቱ ንፓርላማ ስለዝኾነ ንምቕራብ ይፅበ ከምዘሎን ብዛዕባ’ዚ ናይ ሎሚ እውን ምፅራይ ከምዝካየድን ገሊፁ’ሎ።

ቀዳም 1 መጋቢት 2010 ዓ.ም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ወረዳ ሞያሌ ከተማ ሸዋበር ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ 10 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 11 ሰባት ድማ ምቑሳሎም ይዝከር።

ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብጌጋ ሓበሬታ ነቲ መቕተልቲ ከምዝፈፀሞ ገሊፁ’ዩ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታዪ ደንዳኦ ነዚ ኣይተቐበሉዎን።

“ብእምነት ቢሮና እዚ ጌጋ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን።ምኽንያቱ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ዘይትዓጥቁ እዮም፤ቀትሪ እውን እዩ፤ለይቲ ኣይኮነን።መን እንታይ ከምዝሓዘ ብግልፂ ምርኣይ ይክኣል ነይሩ።…ኣብ ልዕሊ ዘይትዓጥቑ ሰባት ስቕ ኢልካ ምትዃስ ፈፂሙ ጌጋ ክኸውን ኣይክእልን።…ገሊኦም ምስ ወደቑ ብሰለስተ ጥይት ዝተቐትሉ እውን ኣለው።እዚ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ እምበር ፈፂሙ ጌጋ እዩ ኢልና ኣንኣምንን።”

ንሶም ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ዝኾነ ይኹን ዕግርግር ኣይነበረን እውን ኢሎም።

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ንመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን መግለፂ ዝሃቡ ተወካሊ ሰክረታሪያት ኮማንድ ፖስት ሌተናል ጀነራል ሓሰን ኢብራሂም ናብ ኢትዮጵያ ሰሊኹ ይኣትው ነይሩ ንዝተባህለ ናይ ኦነግ ሓይሊ ንምጥቓዕ ብዝብል ብዝተጋገየ መረዳእታ ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ክሕተቱ እዮም ኢሎም።

ሰራዊት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕግርግር ተልእኹኡ ዝፍፅመሉ መምርሒ ከምዘሎን ነዚ ዘይተኸተለ ስጉምቲ ከምዝተወስደን ኣብዚ ዝተሳተፉ ኣዛዚ ሰራዊት ሓዊሱ ካብ ሓሙሽተ ዘይበዝሑ ኣባላት ሰራዊት ዕጥቂ ብምፍታሕ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ምጅማሩን ገሊፆም።

“ኣብ ሰራዊትና ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ክፍፀም ከሎ ናይ ዲሲፕልን ወይ ወታደራዊ ዝኾኑ ገበናት ክፍፀም ከሎ ዝፃረየሉ መስርሕ ኣሎ።ድሕሪ ምርመራ ኣብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ፍርዲ ዝረኽብሉ ኩነታት እውን ኣሎ።ስለዚ እቲ ጉዳይ ዝፃረን ተፃሪዩ ስጉምቲ ዝውሰድን እዩ ክኸውን።”

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚንኬሽን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣቶ ታየ ግን ገበን ዝፈፀሙ ጥራሕ ዘይኮኑስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብሕጊ ክሕተቱ ከምዘለዎምን ብጌጋ እዩ ተባሂሉ ዝተወሃበ መግለፂ እውን ዘሕዝን ስለዝኾነ ይቕሬታ ክሕተት ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ እቲ መቕተልቲ ብጌጋ እዩ ተፈፂሙ ዝብል ተቐባልነት የብሉን ይብሉ።

“እዞም ዝተቐትሉ ሰባት ዕጥቒ ዝሓዙ ኣይነበሩን።ምስ ሓይልታት ፀጥታን ወታደራትን ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ኣብ ስሓቦ ጉተቶ ዝኣተው ኣይነበሩን።ብጌጋ እውን እንተኾነ ስለምንታይ ይቕተሉ?እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ፈቐዶ መንገዲ እዮም ተቐቲሎም።”

ብተወሳኺ ኣቶ ፍስሃ ኣባላት ኦነግ ዋላ እንተኾኑ እውን ስቕ ኢልካ ኣይቕተልን ኢሎም ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ናይ ኢንፎርመሽንን ኮሚኬሽንን ዳይረክተር ኣቶ ደምሰው በንቲ ቤት ፅሕፈቶም ናይ ቅድሚ ሎሚ ጉዳያት ኣፃሪዩ፣ፀብፃብ ኣዳሊዩ ከምዝርከብን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕርብ ኣብ ዝብለሉ እዋን ከምዘቕርብን ገሊፆም።እዚ ናይ ሎሚ እውን ከምዘፃረ ወሲኾም ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG