ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞያሌ ብዝተላዕለ ግጭት 1 ሰብ ሞይቱ፡3 ቆሲሎም


ኣብ ከተማ ሞያለ ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተቐተለን ሰለስተ መናእሰይ ምቑሳሎምን ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ገሊፆም።ካብቶም ዝቖሰሉ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቆልዓ ከምዝርከቦም ተፈሊጡ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ሎሚ ነበርቲ ከተማ ወልቂጤ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ከተማ ሞያሌ ብቕድሚ ትማሊ 14 ጥሪ,2010 ውድድር ኩዕሶ እግሪ ስዒሮም ይስዕስዑ ዝነበሩ ደገፍቲ ኣብታ ከተማ ግጭት ምልዓሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብታ ከተማ ተወለድቲ ኦሮሞን ሶማሌን ብበዝሒ ዝነብሩ ክኸውን ከሎ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ክልላት ናይ ዶብ ግጭት ምስተልዓለ ኣብ ከተማ ሞያሌ እውን ወጥሪ ንሂሩ ከምዝነበረ ይገልፅ።

እቶም ተወላዶ ኦሮሞ መናእሰይ ዝስዓርሉ ፅዋዕ ሒዞም ይስዕስዑ ኣብዝነበርሉ እዋን ናይ ሶማልያ መናእሰይ ኣብ ልዕሊኦም እምኒ ክድርብዩ ምስጀመሩ ሓይልታት ምክልኻል መፂኦም ቶኽሲ ብምኽፋቶም ህይወት ሓደ መንእሰይ ሓሊፉ ሰለስተ እውን ከምዝቖሰሉ ይገልፁ።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ሞያሌ ኣቶ ሁሴን ጉዩ ብዛዕባ እቲ ዝነበሩ ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

“እቶም መናእሰይ ናይ ዞባ ውድድር ኩዕሶ ስዒሮም ኣብ ውሽጢ ከተማ ይጭድሩ ኣብዝነበርሉ እዋን ካብ ሶማልያ ወገን እምኒ ምስ ተደርበየ ሓይልታት ምክልኻል ነቲ ግጭት ደው ንምባል ቶኪሶም ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ትማሊ ተቐቢሩ።”

ካብ መንጎ እቶም ዝቖሰሉ ሓደ 6 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ከምዝርከቦም ኣቶ ሁሴን ገሊፆም።

ሕዚ እቲ ወጥሪ ንምርግጋእ ብዓበይቲ ዓዲ ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ ብዙሓት ነበርቲ ሎሚ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።ምኽንያት ናይቲ ተቓውሞ ኣብታ ከተማ ብናይ ወፃኢ ሓገዝ ሆስፒታል ክህነፅ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ስለዘይተፈፀመ ምዃኑ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ነባሪ ይዛረብ።ኣብታ ከተማ መብራህቲ፣ፋብሪካ፣ማይ ክንረክብ ይግባእ ስራሕ ኣልቦነት በዚሑ’ሎ ዝብሉን ካልኦትት ጭርሖታት ከምዝነበሩ እውን እዚ መንእሰይ ይገልፅ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልቂጤ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኣቶ ዳንኤል መኮነን ናይ ሎሚ ተቓውሞ ኣብቲ ህዝቢ ቀዲሙ ዝተቐመጠ ጉድኣት እዩ ክብል ብምግላፅ ቅድሚ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ብሓገዝ ወፃኢ ሆስፒታል ክህነጽ ተባሂሉ ብሰበስልጣን እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ እንተነበረ እውን ክሳብ ሎሚ ከምዘይተሰርሐን እቲ ናይ ጥዕና መሰረተ ልምዓት ብዘይ ምህላው ሕሙማት 70-80 ኪሎ ሜትር እናተጉዓዙ ከምዝሕከሙን ይገልፅ።

ናይቲ ዞባ ወኪል ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ባህሩ ላሊጋ እቲ ዝበዝሕ ሕቶ ናይ መሰረተ ልምዓትን ፀገም ሰናይ ምሕደራን ምዃኑን ግቡኣት ሕቶታት ምዃኖምን ብምግላፅ ንዝቕጽል ቀዳም 3 ሰዓት ንምዝርራብ ቆፀሮ ተታሒዙ’ሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ ሞያሌ ብዝተላዕለ ግጭት 1 ሰብ ሞይቱ፡3 ቆሲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:22 0:00

XS
SM
MD
LG