ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊት ሊያ ከበደ ቀንዲ ተዋሳኢት ፊልሚ Desert Flower


Liya Kebede
Liya Kebede

ፊልሚ Desert flower ንሳ እትፃወተሉ ሓድሽ ፊልም እዩ።

Desert Flower ማለት’ውን ዕምበባ ምድረበዳ ዘርእሳታ መሳጢት ፍልሚ ብዛዕባ ዘደንቕ ጉዕዞ ዋሪስ እያ ተዘንትው።እታ ፍልሚ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንምርኢት ቐሪባ’ላ።ህይወት እታ ኣብ 1965 ኣ/ፈ ካብዘይተምሃሩን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምዝውዋር ብናብራ ሰበኽ ሳግም ካብ ዝምሓደሩን ዓሌት ሱማሊያ ዝተወለደት ብልፅቲ ሞዴል ነበር ዋሪስ ደሪ ስራሕ ፈጠራ’ምበር ኣብ ንቡር ዓለም ዝተፈፀመ ኣይመስልን።ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ጤለ በጊዕ እናሓለወት ንወለዳ ትሕግዝ ነይራ።ኣብ 13 ዓመታ ንመርዓ ተገዲዳ ክትምርዖ ምዃና ምስፈለጠት ሃዲማ ኣምለጠት።

ብትውልዲ ኢትዮጵያዊት ዝኾነት ፍልጥቲ ሞዴል ሊያ ከበደ ኣብታ ፊልሚ ከም መንእሰይ ዋሪስ ደሪ ኮይና ትዋሳእ።ንዝርዝሩ ኣድምፁ።

XS
SM
MD
LG