ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይ ኣብ ዘላቒ ምትእስሳሮም ክጥምቱ ኣለዎም ኢሉ ሓደ ናይ ኣምሓራ ፓለቲካዊ ውድብ


ናይ ኣምሓራን ትግራይን ህዝብታት ዝተዋለዱን ዝተኣሳሰሩን ብምዃኖም ብናይ እዋኑ ወረ ከይተደናገሩ ኣብ ዘላቒ ምትእስሳሮም ጠመተ ክህቡ ኣለዎም ኢሉ ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራ ዝተብሃለ ውድብ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሎሚ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጥን ወፃእን ዝገጠማ ፈተና ንምምካት ህዝብታት ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ይግባእ ኢሉ ኣሎ።ብመስመር ’’ፀረ ኣምሓራን ፀረ ኢትዮጵያን’’ ሃገር ንምፍራስ ንዝመፁ ዝበሎም ሓይልታት ንምቅላስ ድልዊ እዩ ኢሎም ናይቲ ውድብ ናይ ምርጫ ኣተሓባባሪ ኣቶ ምርጫw ስንሻው።ብፍላይ ድማ ሎም ቅነ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝኣወጆ ዝበሎ ኵናት ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ንምምባል ከምዝተዳለወ ሓቢሩ ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር።

‘’ወልቃይት ፣ ፀገዴን ራያን ደጊምካ ብሓይሊ ንምውሳድ ዝግበር ምንቅስቃስ ብወገን ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ተቀባልነት የብሉን’’ክብሉ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣገኘሁ ተሻገር ትማሊ ምዝራቦም ይዝከር።

ንመቐለን ንብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራን መሊሶም ዝተቖፃፃሩ ሓይልታት ትግራይ ብክልል ኣምሓራ ብሓይሊ ዝተወሰዱ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ክልል ትግራይ ክሳብ ዝምለሱ ኵናት ጠጠው ኣይነብልን ምባሎም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG