ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥርዓን ሰለስተ ምንቅስቓሳትን መልሲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን


ንሕቶ መንነት ምላሽ ዘይሃበ ክልል ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ መንግስቲ የለን ምባሉ ንህዝቢ ራያ፣ ወጀራትን ወልቃይት ፀገደን ኣይምልከትን ክብሉ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣፍሊጦም።እዞም ውድባት ወሲኾም ኣብቲ ከባቢ መጥቓዕቲ ክፍፀም ስለዝኽእል ሓለዋ ክግበረሎም ሓቲቶም ።

ምኽትል ኣቦ ወንበር ራያ ራዩማ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣማረ ጉበንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ምባሉ ንዓና ኣይምልከተናን ይብል ።

‘’ህውሓት ዋላ ሓደ ግዜ ንህዝቢ ወጀራትን ራያን ሕጋዊ መንግስቲ ኮይኑ ኣይፈልጥን’’ ዝበለ ኣቶ ኣማረ ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ነቲ ከባቢ ብሓይሊ እዮም ተቖፃፂሮምዎ:ሎሚ እውን ብምዕፋንን ሓይልን እዮም ቀፂሎም።ህዝቢ ወጀራትን ራያን ተስፍኡ ካብ ፌደራል መንግስቲ እምበር ካብ ህወሓት ኣይኮነን ኢሉ።

ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ኣባል ምንቅስቓስ ጥሒሳ መናእሰይ ወጀራት እውን ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕጋዊ መንግስቲ የለን ዝብሉ ዘለው ባዕሎም እዮም ዘይሕጋዊን ኢሉ።ሕጋውነት ናይቲ መንግስቲ ንሳቶም ዘራጋግፁዎ ኣይኮነን ንሳቶም ኣይኮኑን ዝውስኑዎ ኢሉ።

እዚ ሽሙ ክገለፀሉ ዘይደለየ ውልቀሰብ ሕቶ መንነት ወጀራት ኣይተመለሰን፤ ወጀራት ናይ ባዕሉ ዓብይ ታሪኽ፣ቋንቋ ለዛ፣ዘለዎ ህዝቢ እናሃለወ ኣፍልጦ ከይሃቡዎ ጨፍሊቖምዎ ፀኒሖም ኢሉ ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚቴ ኣምላሲ መንነት ኣምሓራ ወልቃይት ፀገዴ ክብረኣብ ስማቸው ብወገኑ ናይ ትግራይ ወሳነ ዝለዓለ ስግኣት ፈጢሩልና ኣሎ ኢሉ።ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝባን ዝለዓለ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሑ መንግስቲ ክከላኽሎ ኣለዎ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጥርዓን ሰለስተ ምንቅስቓሳትን መልሲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:55 0:00



XS
SM
MD
LG