ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንናብራ ኣደታት ምችእቲ ኖርዌይ፡ከርፋሕ ድማ ኒጀር ምኻና ሓደ መፅናዕቲ ገሊፁ


ኣብ'ቲ መፅናዕቲ 165 ሃገራት ተሓቒፈን'ለዋ

ንኣደታት ብልፅቲ መንበሪት ሃገር ኖርዌይ፤እታ ዝሓመቀት ድማ ኒጀር ምኻና ሓደ ሓድሽ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።እዚ ዝተገልፀ፣ኣብ‘ቲ ሴቭ ዘ ችልድረን ዘዳለዎ መፅናዕቲ ከምዝኾነ መሳርሕትና ጆ ዲካፕዋ ገሊፁ።

ፕረዚደንትን ኣካያዲት ስራሕን ሴቭ ዘ ችልድረን ካሮላይን ሚልስ፣ እቲ ሪፖርት ቅድሚ መዓልቲ ደቂ-ኣደታት ከምዝወፀን ገሊፃ።

“ሪፖርት ኣደታት ዓመታዊ ሪፖርት‘ዩ።ንኩነታት ኣደታት መላእ ዓለም‘ውን ዘፅነዐ‘ዩ።ሎም-ዘበን ን165 ሃገራት ኣባፂሕና ኢና።ኣየነይቲ ሃገር‘ያ ንኣደታት ምችእቲ ወይካኣ ዘይምችእቲ ንዝብል ሕቶ‘ውን መሊስና ኣለና” ትብል።

ነተን ሃገራት ንምስራዕ ዝተጠቀመሎም ረቋሒታት ድማ፣ንደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣነስትዮን ማዕረ ዝፀልዎም ፀገማት ኣብ ግምት ብምእታው‘ዩ።

ቀዳሞት ሓሙሽተ ብሉፃት ሃገራት ንናብራ ደቂ-ኣነስትዮ ተባሂለን ብሴቭ ዘ ችልድረን ንኖርዌይ ስዒበን ዝተጠቀሳ ሃገራት ኣይስላንድ፣ስዊድን፣ ኒውዚላንድን ዴንማርክን ኮይነን ኣለዋ።ኣሜሪካ መበል 25 ኣላ።

ኣብ‘ቲ ዝርዝር ጭራ ተሰሪዓ ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኒጀር‘ያ።ወ/ሮ ሚልስ ምኽንያቱ ትገልፅ።

ብዘይካ ኒጀር ኣብ ጭራ ተሰሪዔን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ዴሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ሱዳን፣ደቡብ ሱዳን፣ቻድ፣ኤርትራ፣ማሊን ጊኒ ቢሳውን‘የን።
ኣብ ጥዕና ኣደታት ሓያል ስራሕ ዘርአያ ድኻ ሃገራት‘ውን ኣለዋ።ማላዊ፣ ኔፓልን ቤንግላድሽን።

መራሕቲ ዝበልፀጋ ሃገራት (ጂ-8) ጉድለት ኣመጋግባ ህፃናት ንምውጋድ፣ ርኡይ ተወፋይነት ንከርእዩ ፀዊዑ‘ሎ ሪፖርት ኩነታት ኣደታት ዓለም።
እቶም ኣብ‘ቲ ሪፖርት ዝተጠቅሱ ሓበሬታታት ኣሃዛት ጥራሕ ዘይኮኑስ፣ ኣደታት መላእ ዓለም፣ንዓንኬል ድኽነት ሰይረን፣ምሕዩሽ መነባብሮ ንክረኽባ ዘሐግዝ ቁልፊ‘ምበር ይብል መሳርሕትና ጆ ዲካፕዋ ዝሰርሖ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG