ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ሶርያ በሽር ኣል-ኣሳድ ካብ ስልጣኖም ካብ ዝእለዩ ንደሓር ሩስያ ንፈለማ እዋን መፃኢ ናይ’ቲ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራ ንምውሓስ ናይ ትገብሮ ፃዕሪ ኣካል ምዃኑ ዝተገለጸ ልኡኽ ናብ ደማስቆ ምልኣኻ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ሎሚ ሰሉስ ሓቢሩ።
እቲ ምስ ሓደስቲ ኣመራርሓ ሶርያ ክዘራረብ ትፅቢት ዝግበረሉ ልኡኽ ንምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሚካኤል ቦግዳኖቭን ፍሉይ ልኡኽ ክረምሊን ኣብ ሶርያ ኣሌክዳንደር ላቭረንቲየቭን ዝሓወሰ ከምዝኾነ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ'ሎ።
ክልተ ምንጭታት ሶርያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበርዎ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘተ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ደማስቆ ክሳለጥ ትፅቢት ከምዝግበር እዩ።
ንኣሳድ ኣዕቚባ እትርከብን ቅድሚ ካብ ስልጣን ምእላዮም ኣንፃር ዕጡቓት ሓይሊ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብረሎም ዝፀንሐትን ሩስያ ነቲ ኣብ ሶርያ ኣብ ታርቱስ ንዘሎ መሳለጢያ ሓይሊ ባሕርን ኣብ ጥቓ ወደባዊት ከተማ ላታክያ ዘሎ መደበር ሓይሊ ኣየር ሕመይሚምን ክትዕቅብ ተስፋ ትገብር።
ቅጥዒ