ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ብምንቅጥቃጥ መሬት ሞሮኮ ዝሞቱ ሰባት ናብ 2,400 ክብ ምባሉ ተገሊጹ


ቁጽሪ ብምንቅጥቃጥ መሬት ሞሮኮ ዝሞቱ ሰባት ናብ 2,400 ክብ ምባሉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:48 0:00

ቁጽሪ ብምንቅጥቃጥ መሬት ሞሮኮ ዝሞቱ ሰባት ናብ 2,400 ክብ ምባሉ ተገሊጹ

ወታሃደራትን ጉጅለታት ረድኤትን ሞሮኮ ንልዕሊ 2,400 ሰባት ዝቐተለ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ናብ ዝዓነዋ ርሑቕ ነኣሽቱ ከተማታት ንምብጻሕ ብዓበይቲ መካይንን ሄሊኮፕረራትን ይቃለሱ ኣለዉ። ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ንምርካብ'ውን ኣብ ፍርስራስ ኣባይቲ ይድለዩ ኣለው።

ሰበ-ስልጣን ሞሮኮ ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ስፔን ፣ቐጠር ፣ብሪጣንያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን መንግስታዊ ሓገዝ ከምዝተቐበሉ ሓቢሮም ኣለው። ገለ ሃገራትን ጉጅለታት ረድኤትን ግን ሓገዝ ንምልኣኽ ፍቓድ ይፅበያ ከምዘለዋ ሓቢረን። ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሞሮኮ ሰበ-ስልጣን "ኣሉታዊ ውፅኢት ክህልዎ ዘኽእል ጉድለት ምትሕብባር’’ ንምውጋድ ከምዝደልዩ ይገልጹ ምህላዎም ይሕብር።

ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ንመንግስትን ህዝብን ሞሮኮ ንምሕጋዝ ተንቀሳቒሶም ኣለዉ። ትማሊ ንተሌቪዥን ኤይቢኢሲ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ንሞሮኮ ንምሕጋዝ ተዳሊና ኣለና ይብል፡“ብኡ ንብኡ ምስ መንግስቲ ሞሮኮ ብምርኻብ ብእንኽእሎ ክንሕግዞም ቅሩባት ምዃና ኣነጺርና ኣለና። ንጻዕርታት ሓገዝ ከተሓባብር ዝኽእል ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ(ዩ፡ኤስ፡ኣይ፡ዲ ) ኣለና። ብኸመይ ብዝበለጸ ከምንሕግዝ ካብ መንግስቲ ሞሮኮ ምላሽ ኢና ንጽበ ዘለና። ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ድማ ሓዘና ገሊጽና ኣለና። ኣብ ጎኖም ከም ዘለና`ውን ክነፍልጥ ንደሊ" ኢሎም።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ዓርቢ ለይቲ ዘጋጠመ 6.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት 300,000 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖም ይግምት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG