ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞሮኮ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ክጥረዙ ዝብል ወፍሪ ዘካይዱ 152 ሰባት ኣሲራ


 ናብ ሞሮኮ ክ ኣትው ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣብ ዝተታሕዙ እዋን ዘርእይ ምስሊ
ናብ ሞሮኮ ክ ኣትው ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣብ ዝተታሕዙ እዋን ዘርእይ ምስሊ

ሞሮኮ፣ ነቶም ጅምላዊ ምጥራዝ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ናብ ስጳኝ ንክፍጸም ወፍሪ ብማሕበራዊ ሚድያ ጀሚሮም ዝተባሃሉ 152 ሰባት ከምዝኣሰረት ኣፍሊጣ።

ሮይተርስ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሞሮካዊያን ደቂ ተባዕትዮ፣ ናብ’ታ መዳውብቲ ሞሮኮ ዝኾነት ስጳኝ ንክኣትው ከምዝፈተኑ ጠቂሱ ኣሎ።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም ናይ’ቶም ዘይሕጋዊያን ሰገርቲ ፈተነ፣ ብከቢድ ስጉምቲ ኣኽበርቲ ጸጥታ ምፍሻሉ ይገልጹ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ፣ ሞሮኮ 45,015 ሰባት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣውሮጳ ንክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝሓዘት’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG