ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞሮኮ ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ ንምዃን ሕቶ ኣቕሪባ


ሞሮኮ ድሕሪ 32 ዓመታት ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ብኣባልነት ንምምላስ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪባ።ሕብረት ኣፍሪካ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሰሜን ኣፍሪካዊት ሞሮኮ ናብ ኣባልነታ ንምምላስ ስሩዕ ሕቶ ዘቕረበት ብናይ ሞሮኮ ንጉስ መሓመድ ኣማኻሪ ጉዳያት ወፃኢ ዝኾኑ ጣይብ ፋሲ እዩ።ንሶም ንኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዲላሚኒ ዙማ ከምዘቕርቡ እቲ መግለፂ ይሕብር።ክልቲኦም ዝተራኸቡ ኒው ዮርክ ይካየድ ኣብዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት እዩ።

እቲ ሕቶ ስሩዕ መስርሕ ሒዙ ከምዝኸይድን ዲላሚኒ ዙማ ምዝራበን እቲ መግለፂ ይሕብር።

ሞሮኮ ካብ ኣባልነት ንዓርሳ ዘግለለት እቲ ውድብ ንስሃራዊት ዓረብ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ብኣባልነት ተቐቢሉዋ ክትብል ብምቅዋም እዩ።ካብ መስረቲ ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ዝኾነት ሞሮኮ ድሕሪ 32 ዓመት ኣባል ንምዃን ሕቶ ኣቕሪባ’ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:00:51 0:00

XS
SM
MD
LG