ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ሞሪንጋ’ - “ኩሉ ቀረብ ካብ ሓንቲ ገረብ”


ታደለ ዓለምሰገድን ኣርኣያ ወርቅነህን
ታደለ ዓለምሰገድን ኣርኣያ ወርቅነህን
ሎምቕነ ኣብ ትግራይ ዝተሓተመ “ኩሉ ቀረብ ካብ ሓንቲ ገረብ” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋሃቦ መጽሓፍ ነቲ ‘ሞሪንጋ’ ዝተባሃለ ዝተማለአ ትሕዝቶ ምግብ ዝሓዘ ተኽሊ ይገልጽ፡፡

ኣብዚ ተኽሊ እዚ ዘሎ ቫይታሚን ኤ ካብ ኣብ ካሮት ዘሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይበልጽ፤ ቫይታሚን ሲ ካብ ኣራንሺ ሸውዓተ ኢድ ይዓቢ፡፡ ከምኡ እውን ካልሽየም ኣርባዕተ ኢድ ካብ ጸባ ይበልጽ፡፡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት ምግቢ ኣብ በይኑ ኣኪቡ ዝሓዘ ታኣምራዊ ተኽሊ እዩ ይብሉ ሓደ ካብቶም ነቲ መጽሓፍ ዘሰናድኡ ጻሓፊ ኣይተ ኣርኣያ ወርቅነህ፡፡

እዚ ተኽሊ ልዑል ትሕዝቶ ምግቢ ስለዘለዎ ፈዋሳይነቱ ብኡ መጠን ዝላዓለ እዩ ዝብል ርእሰ ነገር ዘስመርሉ ድማ ሓደ ካብቶም ጻሓፍቲ ኣይተ ታደለ ኣለምሰገድ እዩ፡፡ “መርዘን ርእሲን ሕማም ጸላም ከብዲን ይሕክም፣ ሕማም ቆርበት ይከላኸል፣ ስርዓት ምትንፋስ የማሓይሽ፣ ዓይንን ሓንጎልን የሕይል፣ እርጋን ይከላኸል ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ሕማማት ይፍውስ” ኢሎም፡፡
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለምን ትካል ምግቢ ዓለምን ዝሃብዎ መለክዒ ‘ሞሪንጋ’ ዝውሰደሉ መጠን ኣጠቓቕማ ተቐሚጡ’ሎ፡፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ህጻውንቲ ኣብ ማዓልቲ 24 ግራም፣ ማእኸላይ ዕድመን ጥዕናን ዘለዎ ሰብ 40 ግራም ከምኡ ድማ ነብሰጾር፣ ሓራስን ተጥብው ኣደ ኣብ ማዓልቲ 48 ግራም ክወስዱ ይግባእ ዝብል ዓቐን ተነጺሩ ተቐሚጡ’ሎ ይብሉ ኣይተ ታደለ ኣለምሰገድ፡፡

እዚ ‘ሞሪንጋ’ ዝተባሃለ ተኽሊ ህንዳውያን ን5000 ዓማውቲ ንቐለብን ፈውስን ከምዝተጠቐምሉ ድርሳነ ታሪኽ ይነግር፡፡ ዛጊድ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ 13 ዓይነታት ዓሌት ኣለዎ፡፡ እቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ዓሌት ‘ሞሪንጋ ኦሊፈራ ይባሃል፡፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ድማ ‘ሞሪንጋ ስቴኖፔታላ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡፡

ነታ መጽሓፍ ዘሰናድኡ ሊቃውንቲ ኣይተ ኣርኣያ ወርቅነህ ብሞያ ኬሚካላዊ ምህንድስናን ብቅመማ ኣፋውስ ዝላዓለ ትምህርቲ ዘለዎምን ንንውሕ ዝበሉ ዓማውቲ ኣብ ፋብሪካ ቅመማ ኣፋውስ ብተግባር ዝሰረሑን ደራሲን እዮም፡፡

ኣይተ ታዳለ ኣለምሰገድ ብሞያ ሕርሻ ሰልጢኖም ላዕለዋይ ክኢላ ብምዃን ንብርክት ዝበሉ ዓማውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታዊ ስራሕ ወፊሮም ሰሪሖም ልዑል ዓቕምን ክእለትን ዘኻዕበቱ ምዃኖም ይፍለጥ፡፡

ዶክተር ገብረኣብ ባርናባስ ድማ ብሓፈሻዊ ሞያ ሕክምናን ብሕብረተሰባዊ ጥዕና ዝላዓለ ትምህርቲ ብምሓዝ ኣብ ዝላዓሉ ሓላፍነታዊ ዋኒን ዝሰረሑ ብፍላይ ድማ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኮይኖም ኣመራርሓ ዝሃቡ ክኢላ እዮም፡፡

ቃለ-ምልልስ ኣብ ልዕሊ ሞሪንጋ ኦሊፌይራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:33 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG