ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ሞሪንጋ’ ልዑል ጥዕናዊ ረብሓ ዘለዎ ተኽሊ


ሞሪንጋ መበቆሉ ኣብ ህንዲ ኮይኑ ናብ ኢትዮጲያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ ኣትዩ ልዑል ረብሓ ዝህብ ዘሎ ንታምቦኽ ዝመስል ተኽሊ’ዩ:: ኣብ ኢትዮጲያ ናይቲ ናብታ ሃገር ብወገን ኬንያ ዘእተዎ ሽም ተዋሂብዎ’ሎ፤ሺፈራው ይባሃል::

ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኢትዮጲያ ንምግብነት ብሰፊሑ ይልመድ’ሎ፤ ኮይኑ ግና ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ብቕልጡፍን ብስፍሓትን ኣይተባፀሐን::

“ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ኣብ ሃገርና ረብሕኡ ብዝግባእ ተፈሊጡ ኣይማዕበለን፤ ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝጽበየና” ይብሉ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓትን ገጠር ትግራይ ላዕለዋይ ክኢላ ኣግራባት ኣይተ ህይወት ደስታ::

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ትካል ላዕላዋይ ክኢላ ኣግራባት ኣይተ ንጉስ እስማዒል ልዑል ትሕዝቶ ምግብነት እቲ ተኽሊ እንትገልጹ “ብማዕረ መለክዒ መጠን ወሲድና እንትንመዝን ኣራንሺ ካብ ዝህበና ረብሓ ሞሪንጋ ብ7 ኢድ ይበልጽ:: ከምኡ’ውን ካብ ካሮት ብ4 ዕጽፊ፣ ካብ ፀባ ብ4 ዕጽፊ፣ ካብ ሙዝ(በናና) ብ3 ዕጽፊ፣ ካብ ርግኦ ብ2 ዕጽፊ ዝበለጸ ጥዕናዊ ረብሓ ይህብ” ይብሉ::

ካብዚ ብምብጋስ ቢሮ ሕርሻን ልምዓትን ገጠር ትግራይ ኣብ ኣላማጣ፣ራያ ዓዘቦን ጣንቋ ኣበርገለ ክትከል ብምግባር ንምስፋሕ ይጽዕር ምህላዉ እቶም ክኢላታት ይዛረቡ::

ተኽሊ ሞሪንጋ ተወቒጡን ብላስቲኽ ታዓሺጉ ኣብ ዕዳጋ ከተማ መቐለ ይሽየጥ’ሎ፤ ኣብ ቤት ሻሂ እውን ህዝቢ ይጥቀመሉ’ሎ::

ሞሪንጋ ወይ ካዓ ሺፈራው 300 ሕማማት ዝፍውስ ልዑል ጥዕናዊ ረብሓ ዘለዎ እሞ ድማ ብቐሊሉ ክዓቢ ዝኽእል ተኽሊ ምዃኑ ኣይተ ህይወት ደስታ ይነግሩና::

XS
SM
MD
LG