ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ሱዳን ናብ ጫድ ንዝውሕዙ ስደተኛታት ንምቕባል ይዳለው ምህላው ሓቢሩ


.
.

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ወሃቢ ደገፍ ሓይሊን ዘሎ ጎንፂ ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ንዝውሕዙ ስደተኛታት ሱዳን ንምቕባል ይዳሎ ከም ዘሎ ዳይረክተር'ቲ ትካል ኣፍሊጦም።

እቲ ጎንፂ ኣብ ኻርቱምን ካልኦት ከባቢታትን ካብ ዝጅመር ንነጀዉ ኣስታት 10-20 ሽሕ ሱዳናውያን ድሮ ናብ ዶብ ጫድ ሰጊሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ።

“ክወፅሉ ዝኽእሉ ዝኾነ ደሓን ዝኾነ ክፍተት እንተረኺቦም ብርግፅ ተወሳኺ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዝህልውሉ ኢና ትፅቢት ንገብር ። ኣብ ከባቢ ዓበይቲ ከተማታት ኣለዋ ግን ክንቀሳቀሱ ዘኽእሎም ኣይኮነን" ክብሉ ኣብ ጫድ ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፕየር ሆኖራት ንሮይተርስ ገሊፆም’ለዉ።

እዞም ናይ ሕጂ ስደተኛታት ናብቶም ድሮ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ጎንፅታት ሃዲሞም ኣብኡ ተዓቁቦም ዘለዉ 400-ሽሕ ስደተኛታት ክፅንበሩ’ዮም ክብሉ’ዉን ወሲኾም ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ከባቢ ዶብ ኣብ 14-መዓስከራት ፋሕ ኢሎም ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG