ደሴ —
ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዝነበረ ኵናት፣ ካብ ከባቢታት ጸለምቲ ተፈናቂሎም ነይሮም ዝተባሃሉ ልዕሊ 10-ሽሕ ሰባት ብኣርባዕተ ዙር ናብ መንበሪኦም ከምዝተመለሱ ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
ንመንግስታዊ መሓውራት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቶም ተፈናቀልቲ ናብ መንበሪኦም ዝተመለሱ ምስ ወከልቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብምትሕብባር ከምኾነ ገሊጾም።
ኮሚተ ምምላስ ወሰንን መንነትን ጸለምትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና ብሽም ተፈናቀልቲ ዕጡቓት ህወሓት ኣትዮም ኣለው፣ ካብ ኣቐዲሙ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐሉ ንላዕሊ ብዝሒ ተፈናቀልቲ ንክኣትው ተገይሩ ኣሎ ይብል።
ምክትል ኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይ ከላሊ ሓጋዚ ግብረ መልሲ ንክህቡ ተሰማሚዖም ነይሮም፣ ዳሓር ግና ስልኮም ስለዘየልዓሉ ምላሾም ኣብዚ ጸብጻብ ምጥቕላል ኣይተኸኣለን።
ቅጥዒ