ዋሽንግተን —
ኣብ ሀይቲ ኣብ መንጎ በብይኖም ጉጅለታት በጋሚንዶ ብሰንኪ ዘሎ ቀጻሊ ጎንጺ፡ ኣብዛ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተዛዘመት ዓመተ 2024 ጥራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ካብ መንበሪታቶም ምምዝባሎም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኣሃዝ ልዕሊ 300-ሽሕ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ግን ብኣስታት ሰለስስተ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።
ርእሰ-ከተማ ፖርት-ፕሪንስ ልዕሊ 87% ነበርታ ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ሀይቲ ውሽጣዊ ጸጥታኣ ምቍጽጻር ስኢና ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ድሕሪ ምሕታታ፡ ብኬንያ ዝምርሑ ኣባላት ፖሊስ ጸጥታ’ውን ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ምህላዎም ይፍለጥ። እቲ ጎንጺ ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ’ዩ ይመጽእ ከምዘሎ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ቅጥዒ