ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 71 ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም


ፋይል
ፋይል

ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብዘጋጠሙ ተደራረብቲ ቅልውላዋት ክብረ ወሰን ዝሰበረ ምምዝባል ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ተመዝጊቦም ክብሉ ነዚ ዝከታተሉ ጉጅለታት ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም። ኣብ 2022 ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ 71.1 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ተመዛቢሎም ኣለው።

ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ብዘካየደቶ ኲናትን ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ንፋስ ዝዓብለሎ ከቢድ ውሕጅ ብዝወረደ ምዕልቕላቕን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምምዝባል ኣብ 2021 ኣ/ፈ ካብ ዝነበረ ብ20 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ 2022 60.9 ሚሊዮን ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ተመዝጊቦም።ብመሰረት ማእኸል ምክትታል ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ናይ ኖርወይ ካውንስል ስደተኛታትን ዘውፅእዎ ናይ ሓባር ፀብፃብ ገሊኦም ተደጋጋሚ ምምዝባል ዘጋጠሞም እዮም። እዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ዝለዓለ ይገብሮ።

ሓላፊት ማእኸል ምክትታል ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኣሌግዛንድራ ቢላክ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ እቲ ቁፅሪ "ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ’’ ኢላ። ንሳ ብምውሳኽ "ብርግፅ ኲናት ዩክሬን፣ ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ውሕጅ ኣብ ዙሪያ ዓመት ዝተላዕሉ ሓደስቲ ግጭታት እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ገይሩዎ’’ ኢላ።

ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ብሰንኪ ግጭት ዝተመዛበሉ ሰባት 28.3 ሚሊዮን በፂሑ።ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመት ክወዳደር ከሎ ብዕፅፊ ዝወሰኸ ክኸውን ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ምስ ዝተመዝገበ ክነፃፀር ከሎ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት'ቲ ቁጽሪ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዩክሬን ዝተመዛበሉ 17 ሚሊዮን ሰባት ተመዝጊቦም፡ ኣብ ፓኪስታ ድማ ብሰንኪ ውሕጅ ሸሞንተ ሚሊዮን ተፈናቒሎም። ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ 16.5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም። ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኦም ብፍላይ ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ኢትዮጵያን ዝተመዛበሉ እዮም።

ኣብ ሱዳን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ካብ መንበሪኦም ክሃድሙ ዘገደደ ሓዱሽ ግጭት ምስ ምልዓሉ ኣብዚ ዓመት ብዝሒ ኣብ መላእ ዓለም ዝመዛበሉ ሰባት ክውስኽ ትፅቢት ይግበር።ብመሰረት ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ ኣሃዝ ኣብ ሱዳን ዝሓለፈ ወርሒ ግጭት ካብ ዝልዓል ኣትሒዙ ልዕሊ 700,000 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ክመዛበሉ ከለው ካልኦት 150,000 ሰባት ድማ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣለው ።

ኣብ ሱዳን ኣቐዲሙ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ምንባሮም ይፍለጥ።

ምምዝባል ውሽጢ ሃገር ዓለምለኸ ፍፃመ እንተኾነ እውን ሰለስተ ርብዒት ኣብ ዓለም ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገራት ኣብ 10 ሃገራት ይርከቡ። ኣብ ሶሪያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ዩክሬን፣ ኮሎምቢያ፣ ኢትዮጵያ፣ የመን፣ ናይጀሪያ፣ ሶማልን ሱዳንን ዝድማ ይርከቡ።

ብዙሓት ካብኦም ንዓመታት ብዝጸንሑን ዛጊት ዘይተፍትሑን ግጭታት ሕጂ እውን ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ቁጽሪ ምስ ሓደጋታት ተፈጥሮ ብምትእስሳር ዘጋጠሙ ምምዝባላት እውን ኣብ 2022 ኣስታት ናብ 32.6 ሚሊዮን ክብ ኢሉ ኣሎ።ቅድሚኡ ኣብ ምስ ዝነበረ ዓመት ክነፃፀር ከሎ ብ40 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

ሓላፊ ናይ ኖርወይ ካውንስል ስደተኛታት ጃን ኣግላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ ተደራራቢ ቅልውላዋት ኣብ ዙሪያ ዓለም ተወሰኽቲ ምምዝባላት ፈጢሩ ንተቓላዕነትን ዘይማዕርነታውነትን ኣቓሊዕዎም እዩ ኢሉ ።

"ኲናት ዩክሬን ኣብ ዓለም ንዝተርኣየ ቅልውላው ውሕስነት መግቢ ብምግዳድ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ብዝኸፍአ ዝጎድእ እዩ’’ኢሉ።

XS
SM
MD
LG