ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

55 ሰባት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም


ትማሊ ቀዳም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝተገብረ ናይ ህይወት ኣድህን ስርሒት፡ 55 ሰባት ካብ ምጥላቕ ድሒኖም ኣለዉ። ካብ መንጎኦም ሰለስተ ኣዴታትን ሰለስተ ሕጻናትን ሰለስተ ድማ ኣላይ ዘይብሎም ዝነበሩ ትሕቲ ዕድመ ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ'ሎ።

ንሳቶም ኣብ ሓንቲ 10 ሜትሮ ዝንውሓታ ጃልባ ተሳፊሮም ካብ ወሰን ባሕሪ ሊብያ ውጽእ ምስ በሉ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩ`ዮም። እቶም ዝደሓኑ ካብ ኣይቮሪኮስት፡ግብጺ፡ ኤርትራ፡ናይጀርያ፡ፍልስጤምን ሱዳንን ሶማልን ዝመጹ ምዃኖም`ውን እቲ ህይወት ምድሓን ስርሒት ዘካየደ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣፍሊጡ`ሎ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ 441 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ኣብ ዝፈተንሉ ምሟቶም ውድብ ስደተኛታት ዓለም(ኣይ-.ኦ.ኤም) ሰኒዱ`ሎ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ዝበዝሑ ዝሞቱ ኣብ 2017 742 ዝሞትሉ ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG