ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀሪያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ጀልባ ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀሪያ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ሩባ ብምጥላቓ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።

እታ ጀልባ ኣብ ማዕዶ ሩባ ጉሚ ናብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ይጉዓዙ ዝነበሩ 53 ሓረስቶት ፅዒና ከም ዝነበረት ሓደ ከባቢያዊ በዓል ስልጣን ገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ን12 ሰባት ጥራሕ ምድሓን ከምዝተኻእለ ሓደ በዓል ስልጣን'ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ "እታ ጀልባ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ፅዒናብምንባራ ተገልቢጣ ጥሒላ" ኢሉ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢ ጉሚ ብዝወረደ ምዕልቕላቕ ልዕሊ 10,000 ሰባት ካብ ከባቢኦም ከም ዝተመዛበሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን ብተመሳሳሊ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ሩባ ዱንዳየ ብምጥሓላ 30 ሓረስቶት ምሟቶም ሰበስልጣን ገሊፆም እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG