ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኦሮምያ ይኻየድ ብዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ


ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ክካየዱ ኣብ ዝቐነዩ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ካብ 30 ንላዕሊ'ዩ ክብል ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ሎሚመዓልቲ ኣፍሊጡ።ዝርዝር ኣስማትን ኣድራሻን ዝሞቱ ሰባት ዝሓዘ መግለጺ መድረኽ ካልኦት ብኣማኢቲ ዝቁጸሩ ዝቖሰሉን ዝተኣስሩን ሰባት ከምዘለው ሓቢሩ’ሎ።ነቲ ስጉምቲ ዝኾነነ መድረኽ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ’ሎ ።

ኢህወዴግ ይውስዶም ኣለው ንዝበሎም ዘይሕጋዊ ስጉምትታት ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ህዝቢ ይጥሓስ ስለዘሎ ነታ ሃገር ናብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዘውረዳ እቲ ፓርቲ ገሊጹ’ሎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ይስርሑ ዘለው ናይ ልምዓት ስርሓት ንህዝቢ ብኣግባቡ ዘየመያየጡን ዘየማኸሩን ሒደት ብልሹዋት ካድረታት ዝፈጸምዎ፡ ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬቶም ምምንጣሎምን እዚ ድማ ተቓውሞ ኣልዒሉ’ሎ ይብል።

ስምን ኣድራሻን እቶም ዝተቐትሉ 32 ሰባት ተዘርዚሩ’ሎ።እቲ መግለጺ ነዚ ብምንቓፍ ክውሰዱ ኣለዎም ንዝበሎም ስጉምትታት ዘርዚሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አብ ኦሮምያ ይኻየድ ብዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:14 0:00

XS
SM
MD
LG