ኢህወዴግ ይውስዶም ኣለው ንዝበሎም ዘይሕጋዊ ስጉምትታት ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ህዝቢ ይጥሓስ ስለዘሎ ነታ ሃገር ናብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዘውረዳ እቲ ፓርቲ ገሊጹ’ሎ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ይስርሑ ዘለው ናይ ልምዓት ስርሓት ንህዝቢ ብኣግባቡ ዘየመያየጡን ዘየማኸሩን ሒደት ብልሹዋት ካድረታት ዝፈጸምዎ፡ ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬቶም ምምንጣሎምን እዚ ድማ ተቓውሞ ኣልዒሉ’ሎ ይብል።
ስምን ኣድራሻን እቶም ዝተቐትሉ 32 ሰባት ተዘርዚሩ’ሎ።እቲ መግለጺ ነዚ ብምንቓፍ ክውሰዱ ኣለዎም ንዝበሎም ስጉምትታት ዘርዚሩ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።