ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀረባ ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን ሰባት ምምዝባሎም ተፈሊጡ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብሰንኪ ዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን ሰባት ምዝንባሎም ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። እቲ መጥቓዕቲ ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ከምዝነበሩ ዝሃደሙ ነበርትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ገሊፆም ኣለው።ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኦነግ ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎን "ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢና’’ ዝብል ጉጅለ ተሓታቲ እዩ እንተበሉ እዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ግን ‘"እቲ ጉጅለ’’ ኣይወዓሎን ኢሉ ኣሎ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልካል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን ዞባ ሰሜን ሸዋ ወርቃለማሁ ኮስትሬ ካብ 6 ሚያዚያ 2013 ዓ\ም ጀሚሩ ብዝተልዓለ ፀገም ልዕሊ 250,000 ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣሎ ኢሎም።

‘’ብርክት ዝበለ ጉድኣት ወሪዱ።ንብረት ዓኒዩ፣ህወይት ሰብ ጠፊኡ’’ ኢሎም ኣቶ ወርቃለማሁ።

ዝወረደ ዕንወት ኣዚዩ ዝለዓለ እዩ ዝበሉ ንሶም ተመዛቢሎም በቢከባቢኡ ዝተዓቖቡ ወገናት ናይ ምግብን መፅለሊን ሓገዝ ይግበር ኣሎ ኢሎም።ህዝቢ ዝተፈላለየ ሓገዝ ይገብረሎም ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ነባሪት ከተማ ሸዋ ሮቢ ዝኾና ወይዘሮ ገላ ተምትሜ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ቤት ንብረተን ራሕሪሐን ዋላ ሓደ ነገር ዝብላዕ ዝስተ ከይሓዛ ምስ ሓሙሽተ ኣባላት ስድርአን ደብረብርሃን ከምዝኣተዋ ይገልፃ።

ዋላ ሓደ ነገር ከይሓዛ ከምዝወፃ ዝገለፃንሰን ምስ ስድርአን ተበታቲነን ከምዝርከባን መንግስቲ እንተድኣሃሊዩ ቶሎ ክበፅሓልና ኣለዎ ኢለን።

መንግስቲ ንቶም ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ንምምላስ ዘቐመጦ ኣንፈት ምልሻታትና ደቅና ሃሊቆም ከመይ ገይርና ኢና ንነብር ኢለን ወይዘሮ ገላ።

ካልኦት ተመዛበልቲ እውን ዝወረደ ዕንወትን ካብ ሓደ ስድራ ክልተ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ገሊፆም ኣለው።

እቲ መጥቓዕቲ ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ከምዝነበሩ ዝሃደሙ ነበርትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ገሊፆም ኣለው።ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኦነግ ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎን ‘’ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢና’’ ዝብል ጉጅለ ተሓታቲ እዩ እንተበሉ እዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ግን ‘’እቲ ጉጅለ’’ ኣይወዓሎን ኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ኣምሓራ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ቕትለትን ምምዝባልን ዝኹንኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ደሴ ሎማዕንቲ ሶኑይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ።

ምንስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሸዋ፣ብሄረሰብ ኦሮሞን ደቡብ ወሎን ኮማንድ ፖስት ምጥያሹ ኣፍሊጡ ኣሎ።ሰላምን ፅጥታን ኣብ ልዕሊ ዝህውኹ ጉጅለታት ስጉምቲ ብምውሳድ ልዕልነት ሕጊ ከረጋግፅ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG