ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብመጥቃዕቲ ሰራዊት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ሱዳን 120 ሰባት ምቕታሎም ሕ/ሃ ጉጅለ ሓካይምን ሓቢሩ


ኣባላት ሰራዊት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ - ፋይል
ኣባላት ሰራዊት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ - ፋይል

ኣብ ምብራቕ ማእኸላይ ሱዳን ልዕሊ 120 ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣባላት ሰራዊት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ከምዝተቐተሉ ሕቡራት ሃገራትን ጉጅለ ሓካይምን ገሊፆም።

ሓደ ናይ ሓካይም ጉጅለን ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ሰራዊት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ(RSF) ኣብ ማእኸላይ ሱዳን ኣብ እትርከብ ሓንቲ ከተማ ንልዕሊ 120 ሰባት ምቕታሎም ገሊፆም። እቲ ጉጅለ ተኸታታሊ ዕንቅፋት ምስ ኣጋጠሞን ዝቆጻጸሮም ከባቢታት ድሕሪ ምስኣኑን ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ሱዳን ዝፈፀሞ መጥቓዕቲ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣባላት ሰራዊት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ኣብ ምብራቓውን ሰሜናውን ከባቢታት ምምሕዳር ጀዚራ ካብ 20 ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ልዕሊ ስቪላት ቶኽሲ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ኣለው።

ማሕበር ሓካይም ሱዳን ኣብ ከተማ ሳሪሃ እንተወሓደ 124 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 200 ሰባት ድማ ቆሲሎም ኢሉ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG