ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ዝተወንጨፈት መንኮርኮር ኣመሪካ ጸገም ኣጋጢምዋ`ሎ


ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ዝተወንጨፈት መንኮርኮር ኣመሪካ ጸገም ኣጋጢምዋ`ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:36 0:00

ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ዝተወንጨፈት መንኮርኮር ኣመሪካ ጸገም ኣጋጢምዋ`ሎ

ድሕሪ 50 ዓመታት ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ትማሊ ሰኑይ ዝተወንጨፈት መንኮርኮር ኣመሪካ፡ ጸገም ኣጋጢምዋ`ሎ።

እቲ ጸገም ድማ ምልሓኽ ነዳዲ ምዃኑን ካልእ ጸሓያዊ ጸዓት ክትክኡላ ይፍትኑ ከም ዘለዉን መሃንዲሳት ይገልጹ`ለዉ።

ናብ ወርሒ ዝነቐለት መንኮርኮር ጸገም ምልሓኽ ነዳዲ ከም ዘጋጠመ ዝገለጸ ወናኒ`ታ መንኮርኮር ኣስትሮቦቲክ ቴክኖሎጂ፡ ሕጂ ናብ ጸሓይ ገጻ ብምቕናዕ ጸሓያዊ ሓይሊ ኣስኒቑ ባትሪ ክመልኣላ ይፍትን ኣሎ።

“ፕሮፐልሺን ሲስተም “ ማለት እቲ ነታ መንኮርኮር ፍጥነት ጉዕዞኣ ዝቆጻጸር መሳርሒ፡ ነዳዲ ይጎድሎ ስለዘሎ እታ ንዝመጽእ ለካቲት 23 ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ዝተላእከት መንኮርኮር፡ ዕድላ ኣብ ሰንኩፍ ክወድቕ ክኢሉ`ሎ።

ካብ መደበር መወንጨፊ ኬፕ ካናቨራል ፍሎሪዳ ምስ ተንሰእሰት ድሕሪ ሸውዓተ ሰዓታት`ዮም ነቲ ጸገም ክፈልጥዎ ክኢሎም።

ወናኒኣ ኣስትሮቦቲክ ቴክኖሎጂ እቲ ፍሽለት “ፕሮፐልሺን ሲስተም” ተባሂሉ ዝተገልጸ ጸገም፡ እታ መንኮርኮር ኣብ ወርሒ ቀስ ኢላ ብህድኣት ንከይትዓልብ`ውን ኣብ ስግኣት ዘውድቓ `ዩ ይብል።

ኣስትሮቦቲክ ሕጂ ካብቲ ኣብታ መንኮርኮር ገጢምዎ ዘሎ ካመራ ዝተላእከሉ ስእሊ ዘርጊሑ`ሎ። ንሱ ድማ ኣብቲ `ተርማል ኢንሱለሽን` ዝብሃል ክፍሊ ዘይምቅዳው ከም ዝርኣየ ሓቢሩ`ሎ። ኣስትሮቦቲክ ቅድሚ ሎሚ ኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ዝፈጸምኦ ተልእኮ ኣብ ወርሒ ዝዓለበ ፈላማይ ናይ ብሕቲ ትካል ክኸውን ዓሊሙ ኔሩ።።

ካልእ ናይ ህዩስተን ናይ ብሕቲ ኩባንያ`ውን ዝመጽእ ወርሒ መንኮርኮር ከወንጭፍ መዲቡ`ሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ነዘን ክልተ ናይ ብሕቲ ትካላት ናይ ባዕለን መንኮርኮር ወርሒ ከብርራ ናይ ሚልዮናት ዶላር ኮንትራት ሂብወን ኣሎ። ኣስትሮቦቲክ ንኣብነት ናይ 108 ሚልየን ዶላር ንመጀመሪ ኩንትራት ሒዙ'ሎ።

ምኽትል ኣመሓዳሪ ናሳ ክፍሊ ዳህሳስ ጁወል ከርንስ፡ ካብቲ መንግስቲ ዝገብሮ ልሙድ በረራ፡ እቲ ስራህ ብናይ ብሕቲ ትካላት ክዕመም ከሎ ይሓስርን ንብረት ናብ መደበር ጠፈር ቀልጢፍካ ምምልላስ ይሰልጥን ይብል።

ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ካብ ትዓልብ 50 ዓመታት ኣቑጺራ'ላ። ዳሕራዋይ በረራ ኣብ ታሕሳስ 1972 ዝነበረ ኣባላት ኣፖሎ-17 ዝነበሩ ጀን ሰርናን ሃሪሰን ሽሚትን መበል 11ን 12ን ሰባት ብምዃን ኣብ ወርሒ ብእግሮም ክኸዱ ዝኸኣሉ እዋን ነበረ።

`ኣስትሮቦቲክ`፡ ብዘይካ `ቲ ንናሳ ዝህቦ ኣገልግሎት ዳህሳስ በረራ፡ ካልእ ናይ ገዛእ ርእሱ ንግዲ`ውን ዝምልከት ነገራት ጽዒኑ`ዩ ከይዱ ኔሩ፡ ከም ካብ ጎቦ ኤቨረስት ዘምጽኦ ናእሽቱ ኣእማን፡ ከምኡ ካብ መክሲኮ ከክንዲ ናእሽቱ ባምቡላ ዝኾና መካይን ከምኡ ገለ ዕማኾ ሓሞኽሽቲ ኣስከሬን ጽዒኑ ከይዱ`ሎ።

"ናቫጆ ነሽን" ዝብሃሉ ደቀባት ኣመሪካ፡ ነቲ ሓሞኽሽቲ ኣስከሬን ናብ ወርሒ ምውሳድ ዝብል ኣይቅበልዎን። ንወርሒ ከም ሓንቲ ቅድስቲ ቦታ ዝቖጽርዋ ናቫጆ ነሽን፡ እቲ ናብ ጠፈር ዝግበር በረራታት ክደናግወ ክሓቱ ጸኒሖም ኣለው፡ ኣስከረን ጽዒንኩም ናብ ወርሒ ምኻድ ግቡእ ስነ-ምግባር ኣይኮነን ብምባል ድማ ይቃወምዎ።

ሕጂ ዋና ሓላፊ ኣስትሮቢክ ቴክኖሎጂ ፡ጆን ቶርንተን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ተቓውሞ ነቫጆ ነሽን ደንጉዩ`ዩ መጺኡና ዘሎ፡ ንዝመጽእ በረራታት ግን ንነቫጆ ዘይትክፍ ኣንፈት ጉዕዞ ክንኽተል ቃል ንኣቱ ኢሉ። ካብ መንጎ`ቶም ኣብታ መንኮርኮር ክፍሊ ዝተኻረዩ ሓደ ዝኾነ `ሰለስቲስ` ዝተባህለ ኣስኬረን ከመላልስ ዝደሊ ካምፓኒ ድማ ፡ ንወርሒ ዝውንን ባህሊ ወይ ሃይማኖት ክህሉ ኣይክእልን`ዩ፡ ኣብቲ ተልእኮ `ውን ሓለፋ ድምጺ ዘለዎ የለን ይብል።

ኣብታ `ፐረግሪን` ዝተባህለት ትማሊ ዝበረረት መንኮርኮር ዝጸዓን ንብረት ንሓደ ኪሎ 1.2 ሚልየን ዶላር`ዩ።ሓላፊ'ቲ ኩባንያ ጆን ቶርንተን እዚ ምስቲ ኣስትሮቦቲክ ዘውጽኦ ገንዘብ ዕድኡ ዘይክመልስ ይኽእል`ዩ፡ እንተኾነ ንሱ ኣይኮነን እቲ ነጥቢ “ ሕልምን ተስፋን ብዙሓት ሰባት `ዩ ኣብ`ዛ መንኮርኮር ተወጢሑ ምህላዉ`ዩ" ኢሉ`ሎ ። እንተኾነ ጸገም ምልሓኽ ነዳዲ ኣጋጢምዋ ዘሎ መንኮርኮር ፐረግሪን ተልእኮኣ ክዕወት ድዩ መሊኡ ክብርዕን ነገራት ኣብ ሰንፈላል`ዩ ዘሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG