ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምትድግፍ ንራባዓይ ግዜ መረጋገጺ ስለዘይተረኸበ፡ ባይቶ ጸጥታ ንኤርትራን ሶማልን ዝምልከት ማዕቀብ ክፈላልዮ ተቖጻጻሪ ኮሚቴ ጸዊዑ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ እገዳ ኤርትራን ሶማልያን፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምትድግፍ ንራባዓይ ግዜ መረጋገጺ ስለዘይረኸበ፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣብ ኤርትራን ሶማልን ዘቐመጦ ማዕቀብ ክፈልዮ ጸዊዑ።

ኣብ ክንድኡ ንኩነታት ኤርትራ ዝኸታትል ካልእ ዝተፈለየ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ከቕውም ተላብዩ።

እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ንመበል ሓሙሻይ ጊዜ ንኤርትራ ንምብጻሕን ምስ ወኪላት መንግስቲ ንምርኻብን ምርመራ ንምኽያድ ዘቕረቦ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ከምዘይረኸበ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ ህላወን ምስፍሕፋሕን ወታሃደራዊ መደበር ዓረብ ኢማራትስ ኣብ ጥቃ ወደብ ዓሰብ ንምትሕልላፍ ወታሃደራዊ ኣጽዋር ዝሓቆፈ ብምኳኑ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ዝጥሕስ’ዩ ይብል።

ኤርትራ ንኣልሸባብ ትድግፍ’ያ ዝብል ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባዊ ኣመሓደርቲ ሶማል ዝተረኽበ ሓበሬታ ብዝምልከት እቲ ኮሚተ ነቲ ክስታት ዝግድፍ መርትዖ ከምዘይረኸበ’ውን ገሊጹ`ሎ።

እቲ ተቖጻጻሪ ኮሚተ ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ናይ 2009 ዓ.ም ውሳኔ 1907 ዝጥሕስ ካብ ኤርትራ ኮነ ናብ ኤርትራ ዝተካየደ ምጉዕዓዝ ኣጽዋር ዝምልከት መርትዖ ዘይምርኻቡ’ውን የፍልጥ።

እንተኾነ መማይ ኮሚተ ኤርትራን ሶማልን ካብ ወታሃደራዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ስልጠናን ቴክኒካል ደገፍ ምሃቦም ዘርእይ መርትዖ ረኺቡ’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኤርትራ ነፋሪት ኩናት ምጥቃማ ዘርእይ መርትዖ ምርኻቡ ብምግላጽ ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ምስታ ነፋሪት ዘሎ ወታሃደራዊ ምትሕሓዝ ብምሽፋኑ፡ እቲ ጉጅለ አባል ሃገራት ነቲ ናይ ኣጽዋር እገዳ ምጥሓሰን ዘመላኽት ዘይምኳኑ’ውን ይገልጽ።

ኤርትራ ንናይ ቤንሻንጉል ናይ ነጻነት ምንቅስቃስ፡ ንግንቦት ሸውዓት ንናይ ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስን ንናይ ምሕዳስ ሓድነትን ዲሞክራስን ግንባር ዝአመሰሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ትህቦ ደግፍ ቀጺላ’ላ። ዋላ’ኳ እዞም ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣስጋኢ ዝኾነ ስግኣት ዘለዎን እንተዘይኮነ ሓገዝ ኤርትራ ነዞም ጉጅለታት ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ዝፈጥርን ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ዝካየድ ጻዕርታት ዘዳኽምን እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ቀውሲ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንመዝነት እቲ ኮሚተ ዝጸልው ምኳኑ ብፍላይ ኣብ ትግባረ ናይ 2009 ውሳነ 1862 ዘለዎ ጽልዋ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ሰነ 13,2017 ዘጋጠመ ምውጻእ ሰራዊት ቀጠር ኣብ ኣሰሓሓቢ ዞባ ኤርትራን ጅቡቲን ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዝነበረ ውጥረት ዘዕረገ ምኳኑን ናብ መማይ ኮሚተ ብዝቐረበ መርትዖ መሰረት ኤርትራ ኣብ ዶባት ራስ ዱሜራ ወታሃደራዊ ምንቅስቃስ አካይዳ እያ ይብል።

ተራ ቀጠር ኣብቲ ናይ መንጎኛ መስርሕ ኣብ ስምምዕ ሰነ 6,2010 ዓ.ም ብግልጺ ብዘይምጥቃሱ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ዘይርጉጽነት ንትግባረ ናይ 2009 ውሳነ 1862 ፈጢሩ’ዩ። እቲ ኣብ 2016 ዝተኻየደ ሓጺር ናይ ኩናት ምሩኻት ኤርትራን ጅቡቲን አካል እቲ ስምምዕ ምኳኑ ይዝከር።

ድሕሪ ምጽዳቕ ናይ 2011 ውሳነ 2023 መማይ ኮሚተ ኣብ መዳይ ማዕድን ግሉጽነት እንተዘይተረኸበ እኳ ካብ ናይ ወጻኢ ትካላት ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ኤርትራ ካብቲ ናይ ማዕድን ምውጻእ አታዊ ትረኽብ ከምዘላ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ እንተኾነ እዚ አታዊ ኣብ እቲ እገዳ ዝጥሕስ መዓላ ምውዓሉ ዘርእይ መርትዖ ምውዓሉ መረጋገጺ ከምዘይተረኽበ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG