ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ክርስትና ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ራብዓይ ክፍለ ዘመን እዩ ኣትዩ" መምህር ገብረእግዚኣብሔር በርሀ


ነብስሄር መምህር ገብረእግዚኣብሔር በርሀ
ነብስሄር መምህር ገብረእግዚኣብሔር በርሀ

ኣብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ዝርከብ እንዳ ኣብርሃ ወኣጽባሃ ተቐባልን መራሒን ኣጋይሽ ነብስሄር መምህር ገብረእግዚኣብሔር በርሀ “ኣብርሃ ወኣጽባሃ ገዳም ተይኮነስ ደብረ ነገስት እዩ ዝባሃል ይብሉ።

ደብረ ነገስት ካብ ሓደ ከውሒ ዝተፈልፈለ ንውሓቱ 21፣ ገድኑ 16 ሜትሮ እዩ። ኣብ ውሽጡ 42 አዕምዲ ኣለዉዎ።

“ኣብርሃን ኣጽባሃን መናቱ እዮም። ወለዶም ዘውፅኡሎም ስም ኢዛናን ሳይዛናን ይባሃል። ኢዛና ዝያዳ ሳይዛና ድማ መምህርና ማለት እዩ” ይብሉ መምህር ገብረእግዚኣብሔር። ብ300 ዓ.ም ኣብ ኣክሱም ኣብ ጐልጐል ሓፀቦ ድማ ተወሊዶም።

ብ325 ዓ.ም ክርስትና ምስተቐበሉ ኣብርሃን ኣጽባሃን ተባሂሎም፤ ንጉሰ ነገስትን ወረስትን ኮይኖም ኸአ ተሸይሞም እንትብሉ መምህር ይገልፁ።

ብመሰረት ምሁራዊ ትንታነ መምህር ገብረእግዚኣብሔር ብ70 ዓ.ም ሃወርያ ማትዮስ ብኣስዋን ገይሩ መፂኡ ኣብ ኣክሱም እናመሃረ ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ ተቐሚጡ። ስለዚ ክርስትናን ጥምቀትን ናብ ኢትዮዽያ ብጓል ባዜን ቅድሚ ራብዓይ ክፍለዘመን እዩ ኣትዩ። ብእዋን ኣብርሃን ኣጽባሃን ብ333 ዓ.ም ኣብ ኣክሱም ሓንቲ ኦርቶዶክስታዊት ከምትኾን ንመስዋእቲ ድማ ስርናይን ወይንን ከምዝኸውን ተኣዊጁ።

ኣባ ሰላማ ኣብ ግብፂ ካብ ዝነበሩ ጳጳስ ኣትናትዮስ ተሸይሞም ምስ መፅኡ ንኣብርሃ ወ ኣጽባሃ ከምዘጠመቕዎም መምህር ገብረእግዚኣብሔር የረድኡ።

ደብረ ነገስት ኣብርሃ ወ ኣጽባሃ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ይኸብር። ታሕሳስ ኣብ ዝተወለድሉ፣ ነሓሰ 13 ደብረ ታቦር እቲ ቤተክርስትያን ዝተገለፀሉ ከምኡ ድማ ጥቅምቲ 4 ብምእመናን ይኸብር። ብፍላይ ጥቅምቲ 4 ካብ ምሉእ ሃገር ዝመፅኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመንቲ ብድምቀት የኽብርዎ።

እንዳ ኣብርሃ ወ ኣጽባሃ ካብ ዝህነጽ ኣስታት 1,656 ዓማውቲ ዕድመ ዘቑፀረ ጥንታዊ ቤተክርስትያን ምዃኑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG