ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለወይቲ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ኣኼባ ሚንስተራት ወፃኢ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፈን


ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ሓዊሱ ንኢትዮጵያን ጎረባብታን ዝምልከቱ ጉዳያት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራበን ተፈሊጡ።

ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ሞሊ ፊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ውጽኢታዊ ምይይጥ ምክያደን ብቀንዱ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ሰላም፡ ድሕንነት ዲሞክራስን ብልፅግናን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ምንባሩ ኣብ ቤት- ፅሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን‘ቲ ምይይጥ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ዝተረኸቡ ክኸውን ከሎ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ምዝርራቦም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጾም ኣፍሊጦም’ለዉ። ሞሊ ፊ ብተወሳኺ ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቐለ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሚንስተር ፋይናንስ ኣሕመድ ሸዴ ከኣ ብዛዕባ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምዝርራበን ተገሊፁ’ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ኣኬብኡ ጉዳያት ሱዳንን ሶማልን ሓዊሱ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ኣሻቃሊ ኩነታት ከም ዝዘራረበሉ’ውን ኣቦ መንበር’ቲ ሕብረት ሙሳ መሃመት ፍቂ ምሕባሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ’ሎ።

ኣምሓርኛ ወግዓዊ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ቋንቋ ንክኸውን ዝሓተቱ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ አፅቀስላሰ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ሕብረት ኣፍሪቃ ንፀገማት’ታ ኣህጉር ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪን ንኢዶም።

እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ኣኼባ ሚንስተራት ወፃኢ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ዝተዛዘመ ክኸውን ከሎ ዝመፅእ ቀዳመ ሰንበት ከኣ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ክካየድ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG