ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አቦ - መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ዝነበሩ አቶ ሞላ አስገዶም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝአተው መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴምህትን አረጋጊጾም


አቦ - መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) አቶ ሞላ አስገዶም ውድቦም ራሕሪሖም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝአተው መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴምህትን አረጋጊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞላ ልዕሊ 800 ሰራዊት ሒዞም መጺኦም ክብል ከሎ ምክትል አቦ-መንበር ዴምህት አቶ መኮንን ተስፋይ ግን “እቲ ቁጽሪ ኣዚዩ ዝተጋነነ’ዩ አቶ ሞላ ሒደት አባላት ሒዙ‘ዩ ሓዲሙ” ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ሞላ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስጢር ይሰርሕ ምንባሩ ይገልጽ። ም/ኣ ደምህት ድማ " ከምኡ ክገብር ዝኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮን፡ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ በቲ ዝካየድ ዝነበረ ግምገማ ስለዝፈለጠ`ዩ ሃዲሙ" ይብል።

ኣቶ ሞላ ኣብ ሓደ ናይ ዩ-ቲዩብ ድምጹ "ንሰራዊት ሻዕቢያ እናጸራረግና መጺና" ይብል። ኣቶ መኮነን ድማ፡ ኣብ`ቲ ቦታ ሰራዊት ኤርትራ ኣይነበረን፡ መሬት ሱዳን`ዩ፡ ሰራዊት ደምህት ምስተኸታተሎ ግና ኣባላቱ ምስ ሰራዊት ደምሕቲ ተኹሲ ከፊቶም ኔሮም፡ ዝተታሕዙ`ውን ኣለዉ" ይብል።

ንክልቲኡ ወገናት ዝሓዘ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:46 0:00


ኣብዚኣ'ሞ

ባይቶ ኣመሪካ ብ HR-128 ዝፍለጥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊን ዲሞክራስያዊ መሰላትን ንኽሕሎ ዝጠልብ ረቂቕ ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ረቂቕ'ዚ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG