ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ዲምህት ካልእ ዝሓሸ ውዱብን ዕጡቅን ተቃዋማይ ሓይሊ ኢትዮጵያ የለን’ ይብል ኣቶ ሞላ ኣስገዶም


ሞላ ኣስገዶምን ኣባላት ሰራዊት ዲምህትን
ሞላ ኣስገዶምን ኣባላት ሰራዊት ዲምህትን

ንሱ ምስ ኣማኢት ዕጡቃት’ቲ ውድብ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ትማሊ ገሊፅና ነይርና።እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኹናት ምስ ዲምህት ኣብ መርየት ሱዳን’ዩ ተካይዱ ኢሉ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ባዓል ስልጣን ፀጥታ ኤርትራ።

ሎሚ ኣብ ኣዲሳበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ‘ኣብ ኤርትራ ካብ ሞንጎ ዝንቀሳቀሱ ውድባት፣ብዘይካ ንሕና ካልእ ዝሓሸ ዝተወደበን ዕጡቅን ሓይሊ የለን። 7 ግንቦት ንዓና ንክጥቀም ተባሂሉ ዝመፀ ሓይሊ’ዩ።ካብኡ ወፃኢ ካልእ ሓይሊ የለን’ ኢሉ ንሱ።

ንዶ/ር ብርሃኑ ነጋን 7 ግንቦትን ነጋዶ ኢሉ ዝገልፆም ኣቶ ሞላ ኣስገዶም፣ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ኤርትራ ዝታሓዝ ነገር የብሉን፣መንግስቲ ኤርትራ እውን እንተኾነ ንዶ/ር ብርሃኑ ክስሕቦም ከሎ፣ ዝተወደበ ሓይሊ ናይ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ንምምሳልን ዶ/ር ብርሃኑ ብወገኑ፣ ቪድዮን ፎቶግራፍን ቀሪፁ ገንዘብ ንክእክብሉ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ ይብል ኣቶ ሞላ።

ናይ መራሒ ዲምህት ናብ ኢትዮጵያ ምስጋር፣ ብሕልፊ ንመንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ኪሳራ’ዩ።ን7 ግንቦት’ውን እንተኾነ ካብኡ ዘይናኣሰ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብርሃኑ ነጋ ሕቖኡ ተጎስዩ’ዩ ምባል ይካኣል። ከምዝመስለኒ፣ንሰራዊት ዲምህት ከምጋሪ ክዝወሮ’የ ባሃላይ’ዩ’ ይብል።

ነቀፍትኻ ግና ሞላ ኣስገዶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ረብሕኡ ስለዝተተንከፈ እዩ ይብሉኻ’ሞ እንታይ ትብል ንዝብል ዝቀረበሉ ሕቶ ‘ታይ’ዳኣ ክብሉኒ ትደልዩ? ጀግና? ኣብ 25 ሽሕ ናቅፋ ዝከራይ ገዛ የንብሩኒ ነይሮም፣ማካይን መሊኤን። ስልጣን’ውን ነይሩኒ። ካብኡ ዝሓለፈ’ዳኣ እንታይ ክብሉ ትፅበዩ ኢሉ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ መንገድና ንዘጋጠመና ሰራዊት ሻዕቢያ እናፀረግና ኢና ሰጊርና ንዝብል መግለፂ ኣቶ ሞላ መልሲ ዝሃበ ሓደ መንነቱ ክዕቀበሉ ዝመረፀ ኤርትራዊ ባዓል-ስልጣን ፀጥታ ‘ኣቶ ሞላ ዝመርሖም ዕጡቃት ካብ ሚእቲ ዘይበዝሑ፣እቲ ውግእ ድማ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሱዳን’ዩ ነይሩ’ ኢሎም።

ወሃቢ-ቃል ምንስተር ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ፀሃዬ ፋሲል ብወገኖም ‘ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለን፣ ኣፃርዮም ሪኢቶ ንምሃብ ቅሩብ ምኻኖምን’ ገሊፆም።

7 ግንቦትን-ሓርበኛን ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ‘መሓውር ስለያ ህወሓት/ኢህወዴግ ዘዋደዶን ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ዝመርሖን መደብ ምፍራስ ግንባር በርዒኑ ናብ ቅብፀት ኣምሪሑ’ሎ ይብል።

ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ዝፈፀሞ ክሕደት ይብል ፅሑፍ 7 ግንቦትን-ሓርበኛታትን፣ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ሰብና ጭንቀት ክፈጥር’ዩ፣እንተኾነ እቲ ፈተነ ምብርዓኑ ፣ሓቂ’ውን ፖለቲካ ሃገርና ይበስልን፣ካብ ፅልዋ ውልቀ-መራሕቲ ናፃ ይወፅእ ምህላውን ሓባሪ’ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG