ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝዓበየ ዕዳጋ ሞቓዲሾ ብዘጋጠመ ከቢድ ፍንጀራ10 ሰባት ሞይቶም


ዕዳጋ ባካራ - ሞቃዲሾ
ዕዳጋ ባካራ - ሞቃዲሾ

ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ዝርከብ ዝዓበየ ክፉት ዕዳጋ ትማሊ ሰሉስ ብዘጋጠመ ፍንጀራ 10 ሰባት ሞይቶም። ዕዳጋ ባካራ ነበርቲን ነጋዶን ብብዝሒ ተራኺቦም መግቢ፣ ኽዳውንቲ፣ መድሃኒትን ናይ ኤሌክትሮኒክ ኣቑሕትን ዝተዓዳደግሉን ዝነግድሉን ቦታእዩ።

ኣብቲ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ንብረት ዓንዩ ህይወት ሰባት ድማ ጠፊኡ። ሓሳን ዓሊ ዝተባህለ ነጋዳይ 10 ሰባት ምሟቶምን 15 ካል ኦት ምቑሳሎምን ምሕባሩ ሮይተርስ ይገልጽ።

ሰብ ሞያ ሕክምና ኤርዶዋን ሆስፒታል ልዕሊ 20 ቁሱላት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመፁ ገሊፀን ኣለዋ።

ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ኣል-ሸባብ ኣብታ ሃገር ተደጋጋሚ መጥቓዕታት ክፍፀም ፀኒሑ እዩ።

መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ርእይቶ ኣይሃበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG