ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ህቡብ ስነ-ጥበበኛ ዝርከቦም 7 ሰባት ሞይቶም


ከተማ ሞቃዲሾ -ፋይል
ከተማ ሞቃዲሾ -ፋይል

ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ሶማል፡ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዝገበሮ ነፍሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ህቡብ ገጣሚን ጸሓፊ ድራማን ሱጋል ዓብዱለ ዑመር ዝርከቦም ሸውዓተ ዜጋታት እታ ሃገር ምቕታሎም ድምጺ ኣመሪካ ንምንጭታት ፖሊስ እታ ሃገር ብምውካስ ኣረጋጊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ መሰልጠኒ ፖሊስ ኢዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቀትሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ሰባት’ውን ምቝሳሎም ምንጭታት ፖሊስ ኣመልኪቱ።

መሰኻኽር ዓይኒ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣባል እቲ ጉጅለ ናብታ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ዘዘውትሩዋ እንዳ ሻሂ ብምእታው’ዩ፡ ነቲ ኣብ ነብሱ ዝዓጠቖ ቦምባ ከም ዝነቱግ ገይሩ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ሞቃዲሾ ኣብ ቀረባ እዋን መፈተሺ ኑቑጣታት ድሕሪ ምትእትታዋ ከምዚ ዝመልስ ነብሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብመጠኑ ጎዲሉ’ዩ ጸኒሑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG