ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 1 ሰብ ሞይቱ ካልኦት 7 ድማ ቆሲሎም


ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ጥቃ ፕረዝደንታዊ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝወደቐ ተወንጫፊ ብውሑዱ 1 ሰላማዊ ሰብ ከምዝተቀትለን ካልኦት 7 ድማ ከምዝቆሰሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ተወንጫፊ ነቲ ፕረዝደንታዊ ቤተ-መንግስቲ ዒላማ ዝገበረ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብቲ ቦታ ተመሳሳሊ ተወንጫፊ 3 ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሉ ካልኦት 4 ሰባት ምቁሳሉ ይዝከር።

ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን ካብ ሰበ-ስልጣን ጸጥታ ሶማል’ውን ዝተዋሃበ ርእይቶ የለን።

XS
SM
MD
LG