ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ኣል ሸባብ ኣብ ክልተ ኣብያተ መግቢ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ሞይቶም


አል ሸባብ ኣብ ክልተ ኣብያተ መግቢ ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ምሟቶም ሰበ ስልጣን ሶማል ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ካብቶም ዝሞቱ 18 ሰላማዊያን ሰባት ኽኮኑ ከለው ሸውዓት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምካነን ሽዱሽተ ድማ ነቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ምኻኖም ሓቢሮም።

ጉጅለ ግብረ ሽበራ አልሸባብ ነተን ቤት መግቢ ጅሆ ሒዞም ከምዝነበሩን ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ድማ ነተን ቤት መግቢ ንምልቓቕ ን11 ሰዓታት ዝወሰደ ስርሒት ምክያዶም ተፈሊጡ'ሎ።

ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ሓደ ናይቲ ቤት መግቢ ሰራሕ መግቢ ዝነበረ ሶርያዊ ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ሶማል፡ ኣል ሸባብ ኣብ ክልተ ኣብያተ መግቢ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:32 0:00

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ከተማ ሞቃዲሾ 26 ዝቆሰሉ ሰባት ካብቲ ቦታ ምግዓዞም ሓቢሮም።

እቲ መጥቓዕቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኣፍደገ ሓንቲ ቤት መግቢ ብዝተተኾሰ ነታጉ ዝጀመረ ኮይኑ ቀጺሎም ዕጡቃት ናብተን ቤት መግቢ ብምእታዎ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ጅሆ ምሓዞም ይፍለጥ።

ጉጅለ ግብረ ሽበራ አል ሸባብ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘግሖ ሓበሬታ ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ወስዱ፡ ነተን ቤት መግቢ ዒላማ ዝገበረሉ ምክንያት ድማ ኣብቲ ቦታ “አካላተን ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ” ብማለት ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ነዚ ክሲ ብካልእ ነጻ ወገን ኣይተረጋገጸን።

XS
SM
MD
LG