ኣዲስ ኣበባ —
ዕጡቓት ህውሓት ኣብ ኵናት ሱዳን ይሳተፉ`ለዉ ዝብል ክሲ ይጻረይ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ካብ ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ሓገዝ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝቐረበ ክሲ፡ መንግስቲ የጻርዮ ምህላዉ ዝገለጸ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር።
ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ቅልጡፍ ወሃቢ ሓገዝ ዝብሃል ሓይሊ፡ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ይዋግኡ ምህላዎም ዘረጋግጽ ሰነድ ኣለኒ ዝብል ስምዕታ ኣቕሪቡ ኔሩ`ዩ።
ኣቶ ነብዩ ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለጺኡ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ናይ ቪዛ ማዕቀብ ክልዓል`ውን ጸዊዑ`ሎ።
ቅጥዒ