ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገምጋም ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ አለም
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ አለም

ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ንደሓር ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ገምጋም ኣፈፃፅማ’ቲ ስምምዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝዳሎ ገምጋም ንኣመሪካ ሓዊሱ ኣብቲ ልዝብ ተሳትፎ ዝነበሮም ካልኦት ኣካላት’ውን ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን እዚ ገምጋም ከምዝካየድ ኣረጋጊፆም’ለዉ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር’ዉን ኣብዚ ገምጋም ንምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘምርሑ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG