ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ዩናይትድ ስቴትስን ታራ መራሒ መድረኽን


ዝቕፅል ሰሉስ 29 መስከረም ኣብ ፖለቲካ ዩናይትድ ስቴትስ ዓብይ ርዝነት ዘለዎ ዕለት እዩ።ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ትራምፕን ጆ ባይደንን ካብ ዝካየዱ ሰለስተ ክትዓት ሓዲኡ ዝካየደሉ ዕለት ስለዝኾነ።ኣብቲ ዕለት፣ ኣብቲ መድረኽ ሳልሳይ ዘዛቲ ወይ ዘመያይጥ ሰብ ምስኦም ኮፍ ክብል እዩ።እቲ ኣመያያጢ ነቲ ከይዲ ክትዕ ከመይ ይፀልዎ?

ዝለዓለት ትኹረት ዝውሃቦ እቶም ተኻታዕቲ እንታይ በሉ ዝብል እንተኾነ እውን እንታይ ከም ዝተብሃለን መዓስ ከምዝተብሃለን ዓብይ ታራ ዘለዎ እቲ መራሒ መድረኽ ወይ ኣመያያጢ እዩ።ሕቶ ካብ ምሕታት ዝለዓለ ታራ ኣለዎ።

ጆን ኮች ኣብ ዩኒቨርስቲ ቫንደርቢልት ዳይርከተር ስነ መጎት እዩ።

ናይቲ ዘካትዕ ሰብ ቀንዲ ስራሕ ምክትታል እዩ ምዃኑዝገለፀኮች ‘’መልሲ ክህቡ ከለው ኣሞንጉዮም ሙግትእንተጀሚሮም እንታይ ዓይነት ተኸታታሊ ሕቶ ከምዝሕተት ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ’’ይብል።

ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ነቲ ክትዕ ክመርሑ ንፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ብዘሳልጥ ዘይሻራዊ ኮሚሽን ይሕረዩ።

ኣብ ፓብሊክ ብሮድካስቲንግ ሰርቪስ ይሰርሕ ዝነበረን ኣብዚ ዓመት ብሞት ዝተፈለየን ጂም ለህረርን12 ፕሬዝዳንታዊ ክትዓት መሪሑ እዩ።

ሜሪ ኬት ኣብ ዩኒቨርስቲ ቨርጂኒያ ማእኸል ሚለር ላዕለወይቲ ተመራማሪት እያ።ነዊሕን ዝተሓላለኸንሕቶክተቕርብ የብልካን፤ምኽኒያቱ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መልሲ ኢኻ ትርከብ ክብል ለህረር ዝተዛረቦ ብምዝካር ትገልፅ።

ለህረር ቅድሚ እቲ ክትዕ ብዛዕባ ክኽተሎ ዝደሊዮ ናይቲ ክትዕ ስርዓት ብዝምልከት ንቶም ተኻታዕቲ ኣቐዲሙ ረኺቡ ይገልፀሎም ትብል ሜሪ።ኣብቲ ኣዳራሽ ንዝካፈሉተሳተፍቲ እውን ብዛዕባ እቲ ሕጊ ይገልፀሎም።

‘’ሓደ ካብቶም ተኻታዕቲ ነቲ ስርዓት እንተጥሒሱ፣ነዊሕ እንተተዛሪቡ፣ካሊእ ሰብ ከይዛረብ ዝኽልክል እንተኾይኑ፣ እቶም ሰማዕቲ ነቲ ሕጊ ስለዝፈልጡ ናብቲ ሰብ ምዛሮም ኣይተርፍን።እቲ መመያየጢይቕሬታ ኢሉ ኣቋሪፁ በዚ ኣገባብ ንኺድ ኢሉ ስርዓት ከትሕዞ ክቐለሉ ይገብር’’ እያ ዝበለት።

እቲ ሕፁይ ሓቅነት ዘይብሉ ገለ ነገር እንተተዛሪቡኸ?ሜሪ ኬት ንለህረር ብምጥቃስ ከምዚ ትብል።

‘’ናይ መራሒ መድረኽ ስራሕ ብሃንደበት ዘሊሉ ሓቅታት ናይ ምፅራይ ስራሕ ኣይኮነን።እቲ ዘመያይጥ ቅሩብ ጠጠው ኣቢሉ ‘እታ ሕዚ ዝበልካያ ክተብርሃ ዕድል ክህበካ ’’ኢሉ ክሓቶ ኣለዎ በለት።

ጀነፈር መርቺያ ኣብ ቴክሳስ A&M ዩኒቨርስቲ ናይ ኮሚኒኬሽን ፕሮፌሰር እያ።ኣብ 2012 ኣ\ፈ ኣብ መንጎ ባራክ ኦባማን ሚት ራምኒን ዝተኻየድ ክትዕ ዝመርሐት ካንዲ ክራውሊ ኣብ እዋን እቲ ክትዕ ንራምኒ ብጥረ ሓቂ ሒዛቶም ነይራ።ኣብ መንጎ ኣትያ ብመረዳእታ ክትሕዞም ከላ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሕፁያት ርሱን ምምልላስ ቃላትተኻይዱ ነይሩ።ከምኡ ብምግባራ ኣብቲ ግዜ ብዙሕጫውጫው ፈጢሩ ነይሩ።

ናይ ሎሚ ዘበን 2020 መራሕቲ መድረኽ ፕሬዝዳንታዊ ክትዓት ተሓሪዮም ኣለው።ናይ ፎክስ ንውስ ክሪስ ዋለስ 29 መስከረም ናይ ዝካየድ ናይ መጀመሪያ ፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ክመርሕ እዩ።ዋለስ ኣብ2016 ኣ\ፈ ክትዕ መሪሑ እዩ።

ላዕለዋይ ፕሮዱሰር ናይ ኬቢል ኣገልግሎት C-SPANቻነል ስቲቭ ስከሊ ብናይ ኣዳራሽ ኣኼባ መልክዕ ንዝካየድ ካልኣይ ፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ክመርሕ እዩ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ንNBC NEWS እፅትብፅብ ክርስቲን ወልከር ንሳልሳይ ክትዕ ክትመርሕ እያ።

ኣብ መንጎ ሕፁያት ምኽት ፕሬዝዳንታት ንዝካየድ እንኮ ክትዕ ኣብ ጋዜጣ USA Today ናይ ዋሽንግተንቢሮ ሓላፊት ሱዛን ፔጅ ክትመርሖ እያ።

ን12 ግዜ ፕሬዝዳንታዊ ክትዓት ዝመርሐ ጂም ለህረር ንርእስኻ ዜና ናይቲ ፍፃመ ምዃን ክተወግድ ኣለካ ኢሉ ዝመዓዶ ብዝካር ሜሪ ኬት ትገልፅ።

XS
SM
MD
LG