ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ስግኣት ኣለና' ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ከተማ ፈንደቃ ጣና በለስ ፕሮጀክት ልምዓት ሽኮር ብቕድሚ ትማሊ ሰለስተ ስቪላት ምስተቐተሉን ሓደ ድማ ብከቢድ ድሕሪ ምቑሳሉን ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡን መንግስቲ ካብቲ ከባቢ ከውፅኦምን ተወልደቲ ትግራይ ሰራሕተኛታት ናይቲ ፕሮጀከት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሰባት ብዘስካሕክሕ ከምዝተቐትሉ ገሊፆም ኣለው።

ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ እውን ነዚ መሰረት ብምግባር ትማሊ ሶኑይ ኣብዘውፅኦ መግለፂ መንነት መሰረት ንዝገበረ መጥቓዕቲ ብምኹናን ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ኣብቲ ተግባር ንዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ብምቕራብ መሃሪ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ’ሎ።

ሕዚ እውን ኣብ ጭንቅን ስግኣትን ከምዝርከቡን ናይቲ ፕሮጀት ማናጀር ንኽረጋግዑ ከምዝገለፀሎም ኣውፅአና ኢሎም ምስ ሓተቱዎ ግን ናተይ ሓላፍነት ኣይኮነን ከምዝበሎምን ናይቲ ክልል ሰበስልጣን ይኹን ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር መፂኦም ከምዘየረጋግኡዎምን ኣማሲዮም ገሊፆምለይ ኣለው።

ናይቶም ዜጋታት ስግኣትን ካልኦት ተመሳሰለቲ ሕቶታትን ሒዝና ንወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንምዝርራብ ፈቲና ኣብ ኣኼባ ብምንባሮም መብርሂ ክህቡና ኣይክኣሉን።

እንተኾነ ግን ኣቶ ንጉሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገፆም ከምዝሓበሩዎ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብሄር መሰረት ዝገበረ ዝፍፀም መጥቓዕቲ ከምዘይዕገሶን ከምዘውግዝን ገሊፆም።ጉድኣት ንዝወረዶም ስድራ ቤት፣ህይወቶም ናይ ዝስኣኑ ስድራን ፅንዓት ይሃብ ኢሎም።

ቅድም ክብል ንናይቲ ክልል መንግስቲ መራኸቢ ብዙሃን ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ንዝወረደ ጉድኣት ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኸ ገሊፆም ነይሮም።ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ ፅሑፍ ድማ ናብቲ ቦታ ዝተዋፈረ ጉጅለ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ተገይሩ ኣሎ ኢሎም ኣለው።ክንደይ ሰባት ኣብቁፅፅር ከምዝውዓሉን እንታይነት እቶም ኣብ ቁፅፅር ዝኣተውን ግን ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:55 0:00

XS
SM
MD
LG