ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤመርሰን ሙናንጋግዋ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኖም ቃለ መሓላ ክፍጽሙ’ዮም


ኤመርሰን ሙናንጋግዋ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኖም ቃለ መሓላ ክፍጽሙ’ዮም ክብል ፓርላማ ዚምባብወ ኣፍሊጡ።

ኢመርሰን ማናንጋግዋ ንዝሓለፉ 37 ዓመታት የማናይ ኢድን እሙን ተሓባባሪ ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ እዮም ኔሮም።

ንሶም ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት’ዚ ኣብ ማእከላይ ዚምባብወ ንዝተአኸቡ ዜጋታት እታ ሃገር “ ዛኑ ፒ ኤፍ ዘይድፈር ፓርቲ እዩ። ገዛኢ ፓርቲ ኮይኑ ድማ ክቕጽል እዩ። እቶም ዝነብሩ ምንብሆም ክቕጽሉ እዮም ፡ ዛኑ ፒ ኤፍ ድማ መሪሕነቱ ክቕጽል እዩ። ምስ ሙጋበ ንቕድሚት፡ ዛኑ ፒ ኤፍ ንቅድሚት” ዝብል መደረ ኣስሚዖም።

ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ግን እቲ ክውንነት ካብዚ መደረ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ።

እቶም ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ዚምባብወ ብዝኽተልዎ ናይ ደባይ ታክቲክ “ሓርገጽ” ዝብል ቅጽል ስም ዝረኸቡ ኢመርሰን ሙናንጋግዋ ካብቶም ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ ካብ መዝነቶም ክለቑ ዝሓቱ ቀንዲ አካላት እዮም ኔሮም። ፕረዝደንት ሙጋበ ግን መዝነቶም ክለቑ ፍቓደኛ ኣይነበሩን ስለዝኾነ ድማ ፓርላማ እታ ሃገር ነቶም ፕረዝደንት ብክሲ ንምእላይ ትማሊ ሶሉስ ዝተአኸቡ።

ኣብዚ ህሞት ወሃቢ ቃል ፓርላማ ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ ካብ መዝነቶም ምልቃቆም ዝገልጽ ደብዳበ ንኣባላት ፓርላማ ኣንቢቦም። አባላት ፓርላማ ሓጎሶም ብጣቕዒትን ዋዕዋዕታን ህዝቢ ድማ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ገሊጾም።

ፓርቲ ዛኑ ፒ ኤፍ ነቶም ኣቐዲሞም ብሰንኪ ምስ በዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ ዝተላዕለ ዘይምስምማዕ ካብ መዝነት ምክትል ፕረዝደንት ዝተአልዩ ሙናንጋግዋ መራሒ እታ ሃገር ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝመጽእ 48 ሰዓታት ቃለ መሓላ ከምዝፍጽሙ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ሙናንጋግዋ ካብ 1980 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ካቢኔ እታ ሃገር ከገልግሉ ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብ 2014 ድማ ምክትል ፕረዝደንት ኮይኖም ተሸይሞም።

ምሻም ሙናንጋግዋ ነቲ ኣብ መንጎ ገዳይም ተጋደልቲን ነቶም ድሒሮም ዝተወልዱ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ብጉጅለ 40 ዝፍለጡ ዘሎ ፍልልይ ዘጽብብ ተስፋ ዝተነብረሉ እዩ ኔሩ።

ይኹን ደአ እምበር ሙናንጋግዋ ምስ መራሒት እታ ነቲ ዳሕረዋይ ጉጅለን በዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበን ኣይተሰማምዑን። ግሬስ ሙጋበ ንበዓል ቤተን ተኺአን ነታ ሃገር ክመርሓ ብዝነብረን ድልየት ኣብ መጀምርያ እዚ ወርሒ እዚ ሙናንጋግዋ ካብ መዝነቶም ተባሪሮም። ኣብ ወርሒ ነሓሰ,2017 እውን ናይ ምምራዝ ፈተነ ተኻይዱሎም ከምዝነበረ ይግለጽ፡ ብዙሓት እዚ ፍጻሜ ኢድ ግሬስ ሙጋበ ኣለው ይብሉ።

ሙናንጋግዋ ድሕሪ ካብ መዝነሮም ምብራሮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሃደሙ ኮይኖም ሎሚ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱን ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ድማ መራሒ ዚምባብወ ኮይኖም ቃለ መሓለ ከምዝፍጽሙ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG