ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን ናብ እስራኤል ሚሳይላት ምትኳሳ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ


ኢራን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሚሳይላት ምትኳሳ ወታደራዊ ሓይሊ እስራኤል ገሊፁ። ኣብ ዙሪያ እታ ሃገር ናይ ሓደጋ ድምፂ ኣብ ዝስምዐሉ ነበርቲ ኣብ ናይ ቦምብ መከላኸሊ ከዕቕቡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣዚዙ ኣሎ።

ኣብ ቴል-ኣቪቭን ጥቓ እየሩሳሌምን ተኸታታሊ ፍንጀራታት ምስምዖም: እቲ ዝስማዕ ፍንጀራ ካብ ዝወድቕ ሚሳይላት ኢራን ይኹን ነቶም ሚሳይላት ወቒዖም ካብ ዘውድቑ ብእስራኤል ዝትኮሱ ጸረ-ሚሳይላት ንፁር ኣይኮነን።

እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ሊባኖስ ንጉጅለ ዕጡቕ ሕዝቦላህ እትድግፍ ኢራን ንኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝስዕብ ከጠንቅቓ ፀኒሐን እየን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG