ዋሽንግተን —
መምህር ህጻናትን ተመሃሪት ኒሮሳይንስ(neuroscience) ዝኾነት ስኒት ናብ ኣመሪካ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ከምዝመጸት ብምግላጽ ናብዚ ውድድር ዝኣተወት ዳይሬክተር ትምህረሉ ቤት ትምህርቲ ንዝተማህረትሉ ዓውዲ ዝሓሽ መድረኽ ትምህርቲ ንህጻናት ኣብ ምድላው ከመይ ከምትጥቀመሉ ብምርኣይ ንሳ’ውን ነቲ ትማሃሮ ዘላ ትምህርቲ ፍሉይ ምክትታል ንዘድልዮም ህጻናት ዘድልዮም ኣብያተ ትምህርቲ ንምምስራት ክጥቐመሉ ከምትደልይ ትገልጽ።
ወ/ሪት ኣፍሪቃ ኣመሪካ 2023፣ ኣብ ኣመሪካ ዝነብራ ተወላዶ ኣፍሪቃ ዝኾና ቆነጃጅት ዝወዳደራሉ ውድድር ስነ ጽባቐ ኮይኑ ኣብ 2005 ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣመሪካ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ይካየድ።