ዋሽንግተን —
ምስ ዕብየትን ዝርጋሐን ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ሞያ ጥዕና ኣመልኪቱ ዝዝርጋሕ ዝንቡዕን ጌጋን ሓበሬታ እናዓበየነ ኣሰካፊን ምዃኑ ሰብ-ሞያ ስምዕታኦም የካፍሉ ኣለዉ። ኣብዚ መዳይ ዝርአ ዘሎ ስክፍታትን ንምዕራዩ ብዛዕባ ክግበር ዝኽእል ተበግሶን ኣመልኪትና ምስ ሞያውያን ዘተ ኣካዪድና ኣሎና። መርበብ ሰብ-ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዘተ ኣካዪዶም ነይሮም።ነዚ ብዝምልከት ንዶክተር ኣስቴር ኣለምሰገድ፡ ዶክተር ሃብተኣብ ፍስሃን ዶክተር ዮሃንስ ሃይለን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ቅጥዒ