ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር ይማሓየሽ ከምዘሎ ተገሊጹ


ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር
ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር

ኣትሌት ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሆስፒታል ካናዳ ኣብ ሕክምና ይርከብ።

ብምኽንያት ይጥቀሞ ዝነበረ መስተንክራዊ ኣፈጻጽማ ኣውሮጳዊያንን ኣሜሪካዊያንን ጋዜጠኛታትን ተንተንቲን ስፖርት ‘ይፍጠር ቀያሪ ማርሽ’ ከምዝማለት’ዩ ‘ይፍጠር ዘ ሽፍተር’ እናበሉ’ውን ይንእድዎን ይጽውዕዎን ነይሮም።

ንኩሎም ኣብ ክፋኡ ዝበጽሕሉን ከርክቡሉ ዝኽእሉን ናይ ቀረባን ርሑቅን ኣዝማዱን ኣሓቱን፣ ኣዕርኽቱን ኣዝዩ ኣመስጊኑ’ሎ።

72 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣትሌት ምሩጽ ይፍጠር፣ 210 ሻዕ ተዓዊቱ ሜዳልያታት ወርቂ ተሸሊሙ’ዩ።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ርሻን በርሀ ብወገና፣ ትማሊ ብዛዕባ ሻምበል ዝተወረየ ኣዝዩ ከምዘጉሀያ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ዘረባና ብመሰረት ዝረኸብናዮ ጌጋ ሓበሬታ እቲ ጅግና ኣትሌት ‘ዓሪፉ’ ኢልና ትማሊ ምጽብጻብና ዝዝከር’ዩ። ንዝተፈጸመ ጌጋ ይቅሬታ ንሓትት።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:49 0:00

XS
SM
MD
LG