ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህወሓት ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ክሲ ክቋረጽ ወሲኑ


ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊን ወትሃደራዊን መራሕቲ ህወሓት ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ክሲ ንክቋረጽ ከምዝተወሰነ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፌደራል መንግስቲን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብመሰረት ዝኸተምዎ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ፣ ምስ ኲናት ዝተኣሳሰሩ ገበናትን ተሓታታይነትን ዝምልከቱ ዓለምለኻዊ ተመክሮታት ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ከምዝኾነን ክሲ ቀሪብዎም ዝነበሩ ሲቪላዊን ወትሃደራዊን መሪሕነት ህወሓት፣ እቲ መስርሕ ተቋሪጹ ብናይ ስግግር ፍትሒ ንክሕቆፍ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ’ውን እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ሚንስትሪ ፍትሒ ኣብ ሙግትን መስርሕን ዝነበሩ ጉዳያት፣ ብኣዋጅ ቁጽሪ 943/2008 ዓንቀጽ 5(ሰ) መሰረት ዝተቋረጸ ምዃኑ ነፍልጥ ይብል።

XS
SM
MD
LG